ክልተ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ፣ ሞባይልን ካልእ ንብረትን ክሰርቊ ናብቲ መዓስከር ብዝሰለዂ መንነቶም ዛጊት ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ከምተቐትሉ፡ ተሓላቒ ማሕበር ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻሜ ኣብታ መዓክሰር ንዝርከብ ኩሉ ስደተኛ ዘሰንበደን ዘሕዘነን ኮይኑ፣ ኣብቲ መዓስከር ሰሪቱ ንዘሎ ጸጥታዊ ዉድቀት ዘመስከር እዉን’ዩ።
ከምዝዝከር ፣ ብ 2 ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ዕጡቓት ናብቲ መዓስከር ሰሊኾም ብምእታዉ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ፣ ብዉሑዱ 8 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቆሲሎም እዮም።

ኣብቲ ሓድሽ መዓስከር ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፣ ብዘይካ’ቲ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ህይወት ተጣሪዖም ዝሓልፍዎ ሕሱም መነባብሮ፣ ብቀጻሊ ስርቂን ርስያን ይሳቐዩ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ኪግለጽ ጸኒሑ እዩ። ጸጥታዊ ዉሕስነት ናይ’ቲ ኣብ ከባቢ ደባት ናይ ጎንደር ተደኲኑ ዘሎ መዓስከር ብፍላይ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መሊሱ ይጎድል ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ ዝዛይድ ዘሎ ትፍንን ክልል ኣምሓራን ፈደራልን እዉን ፣ መነባብሮን ድሕነትን እቶም ስደተኛታት እኹል ኣቕልቦ ከይረክብ ይገትእ ከምዘሎ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፣ ብፍላይ ኣብ’ቲ መዓስከር ሰሊኾም ብዝኣትዉ ሸፋቱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸሙ በደላት ዕለታዊ ይብሱ ምህላዎም የተሓሳስቡ።

ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ዘሎ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝሒ ልዕሊ 25 ሽሕ ዝግመት ኮይኑ፣ ነቲ መዓስከር ንኽሕልዉ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ዝተመዘዙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ይንገር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ኩለን ክልላት ዝመደቦ ዳግመ ስርርዕ ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ከምሳዕቢኑ ኣብ ሓያለ ከባቢታት እታ ክልል ህዝባዊ ተቛዉሞታት ኪርአን ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ኣምሓራን ሓሓሊፉ ግጭታት ክምዝገብን ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሪዖዎ ዘሎ መደብ ዳግመስርርዕ ፍሉይ ሓይሊ፣ ከም ናይ ካልኦት ክልላት ኣብ ክልል ኣምሓራ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ ክትግበር ድዩ ኣይፋል ዛጊት ዝተነጸረ ነገር ብዘይምህላዉ፣ ኣብ’ታ ክልል ኣብ ዝርከብ ሓድሽ መዓስከር ኣልመዋጭ ዘለዉ ኤርትራዉያን ክዉላዕ ካብ ዝኽእል ሰፊሕ ግጭት እንዳሰግኡ ኣብ ወጥሪ ይነብሩ ከምዘለዉ እዉን ብተደጋጋሚ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ካብተን ኣቐዲመን ዝዓነዋ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ተበታቲኖም ናብ ከባቢታት ጎንደር ንዝወሓዙን ኣብ መዓስከራት ማይዓይኒንን ዓዲሓሩሽን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ንዝነበሩን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምዕቋብ፡ ካብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2022 ከምዘጻፈፎ ኣይርሳዕን።