ድሕሪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ምድቃቕ ህወሓትን ፣ ደጊም ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ናብ መስተርሆትን ምሕዩሽ መንብሮን ከእትዎም እየ ክብል ዝሓገየ ህግደፍ ፣ ባዕሉን ብመንገዲ መሓዉራቱን ከናፍሶ ዝጸንሐ ተስፋታት ኣብ ባይታ ወሪዶም ወይ ተተግቢሮም’ዶ ኢልና ኪንሓትት ግቡእ ከምዝኾነ ምንጭታት ኤሪሳት ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ምዕራፍ ተዓጺዩ ደጊም ካብ ህወሓት ዝህሉ ስግኣት የለን ካብ ዝበሃል ልዕሊ 7 ወርሒ ሓሊፉ እንዳሃለወ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ንተስፋ’ዉን ይኹን ዝነኣሰት ነገር ኣብ ግብሪ ከምዘይተመሓየሸት ግሉጽ እዩ። ብቐንዱ፣ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ስልጣን ከይተኣልየ፣ ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ውድቀት ኣብ ሓጺር እዋን ትንፋስ ኪሶኲዕ’ዩ ኢልካ ኽግመት ከምዘይከኣል እዉን ፍሉጥ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ንወርሒ ግንቦት ብፈንጠዝያን ኣስዳዕቲ ብስራታትን ኣፋዊዙ ብምሕላፍ ፣ ንወርሒ ሰነ ድማ ከም ልሙድ ብናይ ሓሶት ተስፋታት ደበስ ኪሰግራ ምዃኑ ዘገንዘቡ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ጉጅለ ንብሕጂ ካልእ ነፍሲ ለቢሱ ሓላዪ ህዝቢን ሃገርን ኪኸዉን ኢዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እቲ ምስ ህግደፍ ኮይኑ መጻኢ ህዝቡን ሃገሩን ዝቐትል ዘሎ ወገን ጥራይ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕመቕን ኪፍኣትን ህግደፍ ተመዝጊቡ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ድሕረት፣ ብመለኪዕታት ልምዓትን ምዕባለን ክትግምግሞም እኳ ዘሕንኽ እዩ።
ህግደፍ ነታ ንከባቢ ሳላሳ ዓመታት ዝርካባ ኣሕዲጉ ረሚስዋ ዘሎ ሃገር፣ ሕጂ’ዉን ብወፈራ ህዝቢ ኪሃንጻ እየ ብዝብል ሽርሒ ንተወሰኽቲ ሳላሳ ዓመታት ንህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ጉልበታዊ ምዝመዛ ከባሪይ ጥሙሕ ከምዘለዎ ሓቢርና ኢና።

ኣብ ጽዑቕ ኲናት ጸኒሑ ካብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ሕጂ’ዉን ካብ ሃለኽለኽን ጉልበታዊ ምዝመዛን ከዕርፍ ከምዘይኮነ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ብተደጋጋሚ ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ከመኽንየሉ ዝጸንሐ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋህዉ፡ ሕጂ ድማ “ዳግመ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ምስምስ ንሰራዊትን ህዝቢን ገደብ ግዜ ኣብ ዘይብሉ ጉልበታዊ ወፈራ ከዳኽም መደብ ሰሪዑ ይርከብ።

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘሎ መንእሰይ ናብራኡ ከይገብር ኣብ ስራዊት ከም ባርያ ንምቊጽጻሩ ነዚ ሓድሽ ልምዓታዊ ወፈራ ሰሪዑ ዘሎ ህግደፍ፣ እቲ ወፈራ ከም ዝሓለፈ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ መጻኢን ዕድልን ህዝቢን ሃገርን ከጸልምት እምበር ዝኾነ ረብሓ ዝህልዎ ከምዘይኮነ እዉን ርዱእ እዩ።

ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብቐንዱ ንልምዓትን ጣዕሚን ሃገር ዘይኮነ ፣ ዜጋታት መለሳ ኣብ ዘይብሎም ወፈራታት ጉልበቶም እንዳመዝመዝካ ተመለኽቲ ንምግባሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ’ዩ እዚ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ወፍሪ ፡ሃገር ክትለምዕን ክትብልጽግን ዘይኮነ ፡ ዜጋታት ብዘይ ማይን መብራህቲን ኣብ ዝሓሰመ ድኽነት ክነብሩ ገይሩ ዝርከብ።