ኤርትራዊ ዜጋ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕርን ብዝኸፍሎ ኹሉዓይነታዊ መስዋእቲን ዘይኮነ፡ ንመራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዘርእዮ ሕሉፍ ተማእዛዝነት ጥራይ ሃገራዊ ዝበሃለላ ኤርትራ ተፈጢራ ምህላዋ ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ኣዘኻኺሮም።

ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓሶትን ዕሱብነትን ከም መለለዪ ሕሉፍ ሃገራዉነት ንምስማሩ ነዊሕ ዓመታት ከምዝሰርሐ እቶም ምንጭታት ዝሓለፈ ወርሒ ሓቢሮም ነይሮም’ዮም።

ህግደፍ ኣብ ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራ ፣ እቲ ህይወቱ፡ ኣካሉ፡ ገንዘቡን መጻኢኡን ብቕንዕና ንሃገር ዘወፊ ዜጋን እቲ ሓርነት ኪነግስ ዝቃለስ ዘሎ ወገንን ዝተሓተ ዋጋ እንዳተዋህቦም፡ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ኮይኑ ብሓሶት እንዳመስከረ ጣዕሚ ናብራኡ እንዳሓለወ ንመራሕቲ ህግደፍ ዝድግፍ ዜጋ ግና ከም ብጹእ ሃገራዊ ጌርካ ናይ ምቕራብ ባህሊ ነጊሱ ይርከብ።

ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ትርጉም ጅግንነትን ሃገራዉነትን ብዓቄትነትን ፈራህ-ተማእዛዚ ብምዃንን ተተኪኡ ፡ ፈራህን ተገዛኢን ሕብረተሰብ ምህናጽ ካብ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ህግደፍ “ሃገራዊ ህንጸት” ዝብሎ መስርሕ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

ደልይቲ ፍትሒ ኢና ኢንዳበሉ ንዓመታት ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኸላግጹ ዝጸንሑ ገለ ውሑዳት ተወላልወልቲን፣ ንኤርትራ ንጣብ ዘየበርከቱላን ኣብ ሕሉፍ ገድላ ከይተረፈ ከዲዖም ዘስተለሙን ሓያለ ደገፍቲ ህግደፍን፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ንነብሶም ከም ሕሉፋት ሃገራዉያን ብምቚጻር ፡ ነቲ ሓቀኛ ሃገራዊ ብጥልመትን ክድዓትን ሃገር ኪኸሱን ከናእሱን ዘድፍሮም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ጉጅለ ህግድፍ ነዲቕዎ ዘሎ ወገናዊ ሃገራዉነት ንኸምኦም ዝበሉ ምስሉያት ጥራይ ዝሓቊፍ ብምዃኑ እዩ።

ቅድም ምስ ጓኖት ገዛእቲ ኮይኖም ሃገሮምን ሃዝቦምን ዘሳቐዩ ዜጋታት፡ ሕጂ ምስ ናይ ዉሻጠ ገዛኢ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ጸገም ህዝቢን ሃገርን ክዕልሉ ከምዘይከብዶም ፍሉጥ ኮይኑ ፡ ንምስሉይን ተበላጺን ጥራይ ዘሳሲ ጸቢብ ሃገራዉነት ህግደፍ ዕምሩ ምስ ኣኸለ ዝኸፍልዎ ዕዳ ከምዝህሉ ኣይርሳዕን ።