ናብ ክልል ትግራይ ዘብሎ ዝነበረ ረድኤት ብሰንኪ ኣብታ ክልል ገኒኑ ዝተባህለ ምጥፍፋእ ንግዜኡ ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ኣመሪካዊ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ማለት USAID፣ ጠቕሊሉ ንኢትዮጵያ ኪህቦ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘይተወሰነ እዋን ደዉ ከብሎ ወሲኑ።
እዋናዊ ዉሳኔ USAID፣ ስርቅን ምጥፍፋእን ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ኪንዮ ክልል ትግራይ ዝኸይድ ገዚፍ መዘዝ ኪህልዎ ከምዝኽእል ዘመላኽት እዩ። ብኻልእ ሸነኽ እዉን ፣ ምስ መንግስቲ ፈደራልን ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ክራኸብ ዝቐነየ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ክስግደድ ዝደለዮ ሓድሽ ጠለብ ኣመሪካ ስለዘይሰለጦ እቲ ሰባኣዊ ሓገዝ ደው ናይ ምባል ዉሳኔ ከምዝሰዓበ ዝሕብሩ ወገናት እዉን ኣለዉ።
USAID ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከካይዶ ብዝጸንሐ ናይ ባዕሉ መጽናዕቲ፣ ኣብ 7 ካብ 9 ክልላት ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ካልእ ዉልቃዊ ረብሓ ይዉዕል ምህላዉ ከምተዓዘበ እዉን ይገልጽ። ካብ 2022 ጥራይ ዛጊት ከባቢ 1.8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሰባኣዊ ደገፍ ንኢትዮጵያ ምቕራባ እያ ኣመሪካ እትገልጽ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለምን USAIDን ነቲ ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዝተባህለ ምጥፍፋእ ረድኤት ግቡእ መርመራ ኪሳዕ ዚቃንዓሉ ናብ ትግራይ ዘምርሕዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ደዉ ከብሉ መሪጾምሉ ምህላዎም ኣይርሳዕን።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብጉዳይ ስርቂ ረዲኤት ከካይዶ ዝጸንሐ መርመራ ንህዝቢ ክሕብር ተቓሪቡ ምህላዉ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ እዋን ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኖም ኪሰናበቱ ሓቲቶም ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዜና ኪናፈስ ምቕናዩ ይፍለጥ።
በቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመት ብዝቐጸል ኲናት ሕድሕድ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝተኸስተ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ ገዚፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ኪመቓራሕ ጸኒሑ እዩ።
ናብ ክልል ትግራይ ከምርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ብሰብስልጣንን መቕርቦምን ተላዒሉ ኣብ ዕዳጋታት እታ ክልል ብግህዶ ኪሽየጥ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብታ ክልል ዘሰላስሎ ዝነበረ ምብጻሕ ረድኢት ንግዜኡ ደዉ ክብል ምዉሳኑ ይዝከር።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ኣካላትን ንዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምምቕራሕ ሓላፍነት ሒዙ ዘሎ ኮይኑ ፣ ኣብ’ቲ 5 ሚልዮን ህዝባ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ኮይኑ ዝርከብ ክልል ትግራይ ሳዕሪሩ ዝበሃል ዘሎ ስርቂ ረዲኤት ተመርሚሩ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከብ ናብ ትግራይ ዘምርሖ ረድኤት ከወንዝፎ ተገዲዱ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣብታ ክልል ሳዕሪሩ ዝበሃለሉ ዘሎ ስርቂን ምጥፍፋእን ሰብኣዊ ረዲኤት እትምርምር ጉጅለ ከምዘጣየሰ ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ሓቢሩ እዩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኣብቲ ግዜ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፣ ብስርቂ ረድኤት ህዝቢ ዝሕተቱ ወገናት ንምልላይን ንምቕያድን ወፍሪ ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ነዚ ዕማም ንምክያድ ኣርባዕተ ዝኣካየድታ ላዕለወቲ ጉጅለ ተመስሪታ ስርሓ ጀሚራ ከምዘላ ዝሓበረ ኣቶ ጌታቸዉ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፍታሕ ክርከቦ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ እዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣኹል ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኪዉሕዝ እኳ እንተጸንሐ ፣ ህዝቢ እኹል ረድኤት ይረክብ ከምዘየሎ እዩ ዘማርር።