ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ። ምብጻሕ እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት እተን ክልተ ክልላት ተኣትዩ ዘሎ ደምነት ኣብ ምድቕቓስ ፈላሚ ተስፋ ዘነብር ኮይኑ ኣሎ።

ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዘካፈሎ ዜና ፣ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ዝመርሖ ጉጅለ ናብ ባህርዳር ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝኣተወሉ ብፕረዚደንት እታ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ወግዓዊ ኣቀባብላ ከምተገብረሉ ፣ ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣብ ምምሕያሽ ኩሉዓይነታዊ ርክባት እተን ክልላት ከምዝዛተዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ፣ ብምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ብልጽግና ኣደም ፋራህ ዝምራሕ ፕረዚደንታት ዝተፈላለያ ክልላት፡ ከንቲባታትን ላዕለዎት ኣባላት ሰልፊ ብልጽግናን ዘካተተ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ዑደት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

እቲ ጉጅለ፣ ከም ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዪልቃል ካፈለ፡ ኣወል ኣርባ ናይ ክልል ዓፋር፡ ሺመልስ ዓብዲሳ ናይ ክልል ኦሮሞ፡ ሙስጠፋ ዑመር ናይ ክልል ሶማል፡ ሪስቱ ዪዳዉ ናይ ክልል ደቡብ፡ ኣሻዲ ሓሰን ናይ ክልል በንሻንጉል ጉሙዝ፡ ኡሞድ ኡጁሉ ናይ ክልል ጋምቤላ፡ ደስታ ለንዳሞ ናይ ክልል ሲዳማ፡ ነጋሽ ዋጊሾ ናይ ክልል ደቡባዊ-ምዕራብ፡ ከምኡ’ዉን ከንቲባታት ከተማታት ኣዲስኣበባን ድሬዳዋን ኣዳነሽ ኣበቤን ከዲር ጆሃርን ዝሓዘ እዩ ኔሩ።

እቲ ናይ ሽዑ ዑደት፣ እተን ብኲናት ትግራይ ብኸቢድ ዝተጸልዋ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ እዋናዊ መሪሕነት ክልል ትግራይ ተቓሪበን ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ናይ ምትእምማን መንፈስ ንኽዛይድ ባይታ ዘንጽፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ።

ምስ ክልል ኣምሓራ ብቐሊሉ ዝዓርፍ ዘይመስል ምስሕሓብ መሬት ዘለዋ ክልል ትግራይ፡ ከምዚ ዝበለ ምቅርራብ ክቀላቐል ምጅማሩ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ንኽፍታሕ ዘሎ ተስፋ ዘዛይድ ምዃኑ እዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ።