ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኪነጽጎን ከሳጉጎን ሕጋዊ ልዕለባይታ ከምዘይብሉ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ። ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን እቲ ዲፕሎማት ክእለ ብተደጋጋሚ ኪጽዉዕ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ሓሙስ ንዘይብቑዕነት እቲ ዲፕሎማት ዝጠቅስ ወግዓዊ ጠለብ ኣንቂሉ እዩ ።
ኣብ ልዕሊ ዶፕሎማት ሕቡራት ሃገራት ናይ ዘይብቚዕ ወይ ፐርሶና ናን ግራታ ክሲ ከተስምር ዘፍቕድ ሕጊ ከምዘየለ ዝምጉት ሕቡራት ሃገራት ፣ እቲ ብወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ቀሪቡ ዘሎ ጠለብን ክሲን ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብግሃዶ ዝጥሕስ ምዃኑ እዩ ዝወቅስ።
መራሒ መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ዝነጥፍ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዎልከር ፐርዝስ ብኻልእ ሰብ ኪትካእ ዝጽዉዕ ህጹጽ ደብዳቤ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናብ ዋናጸሓፊ ኣንቶንዮአ ጒታረዝ ከምዝሰደደ ኣይርሳዕን።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናይ ገለ ፖለቲካዉያን ወገናት ሱዳን ጸግዒ ሒዙ ዘይሻርነት ኣጥፊኡ ከምዘሎ ካብ ገለ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ወቐሳታት ኪደጋገም ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ጀነራል ኣልቡርሃን እቲ ዲፕሎማት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስራሑ ደዉ ኣቢሉ ቦታኡ ብኻል ሰብ ክትካእ ዝጠልብ ደብዳቤ ዝለኣኸ።
ወሃቢቃል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብቲ ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ዝተላእከ ህጹጽ ደብዳቤ ንዋናጸሓፊ ኣንቶንዮ ጒታረዝ ኣዝዩ ከምዘሰንበዶ ጠቒሱ ፣ ዋና ጸሓፊ ኣብ ስራሕን ብቕዓትን ፍሉይ ልኡኽ ዎልከር ፐርዝስ ምሉእ ምትእምማን ከምዘለዎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ፣ መጻኢ ምዕብሌታት እንታይ ኪኸዉን እዩ ንዝብል ዝኾነ ሓበሬታ ኣየካፈለን ኔሩ።
ሕቡራት ሃገራት ንዝኸርር ዘሎ ጠለብ ኣልቡርሃን ንጹር መልሲ ምሃቡ ኣብ ሞንጎ እቲ ጀነራልን እቲ ኣህጉራዊ ትካላን ሓድሽ ምትህልላኽ ሰሪቱ ፣ በቲ ኣህጉራዊ ኣካል ዝጸዓረሎም ዘተ ሰላም ሱዳን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ድሮ ተሰጊኡ ኣሎ።