ናይ ምጥቃዕ ዓቕሙ ብርኡይ ጎዲሉ ኪበሃለሉ ዝጸንሐ ዕጡቕ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ፣ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ ፣ ክልተ ገዘፍቲ መጥቃዕትታት ኣካይዱ ኣሎ።
ኣብ ምዝማም ወርሒ ግንቦት ካብ መቓዲሾ 130 ኪሎሜተር ንደቡብ ኣብ ዘሎ ከባቢ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ 54 ኡጋንዳዉያን ኣባላት ዓቃብ ሰላም ዝቐተለ እቲ ጉጅለ፣ ብዓርቢ 10 ሰነ ኣብ ቤትመግቢ ናይ ሓንቲ ኣብ ማያዊ ገማግም እታ ከተማ እትርከብ ሆቴል ብዘካየዶ ጅሆ ናይ ምሓዝ ስርሒት እዉን ብዉሑዱ ህይወት 6 ሰላማዊ ሰብ ኣጥፊኡ ኣሎ።
ኣብ’ቲ ናይ 10 መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ናብ ቤት መግቢ እታ ፒርል ዝስማ ፍልጥቲ ሆቴል ብምታዉ ዓሰርተታት ሰባት ጂሆ ከምዝሓዙ ፣ ንግዳያት ነጻ ንምዉጻእ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዝተወስደ ስርሒት ድማ ፣ ኩሎም ኣሸበርቲ ኪቕተሉ እንከለዉ ፣ 3 ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ህይወቶም ከምዝስኣኑ ይሕበር።
ሽበራዊ ንጥፈታት ኣልሸባብ ብርኡይ ጐዲሉ ምህላዉ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ኣብ መጀምርያ ወርሒ ግንቦት ሓቢሩ እዩ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ሶማል ዘካይዶም ዝነበረ ሽበራዊ ንጥፈታት ብ80 ሚእታዊት ነክዩ ከምዘሎ እዩ እቲ ካቢነ ተነዪቱ።
ሰራዊት ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ከካይዶም ብዝጸንሐ ወፍርታት ንዝበዝሓ ኣብ ኢድ እቲ ጉጅለ ዝነበራ ዕድታትን ከተማታትን ከምዝመንዝዐ ዝንገር ኮይኑ፣ ኣብ ቀረባ እዋን እዉን ነቲ ጉጅለ መሊእካ ንምድቓቕ ዝዓለመ ካልኣይ ዙር መጥቃዕቲ መዲቡ ምድላዋት ኣጻፊፉ ከምዘሎ ካብ ዝሕበር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ብምህላዉ፣ እዚ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንሽቶ ትንፋስ ሰዂዕሉ ኪኸዉን ከምዝኽልእል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝትንትኑ።
ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ኪካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ገጹ ዛዚሙ ንኻልኣይ ገጽ ስርሒት ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ፣ ኣብ’ቲ ካልኣይ ገጽ ስርሒት ድማ ፡ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ተሪፈን ዘለዋ ኩለን ዓድታት ንምምላስ ተወጢኑ ምህላዉ ካብ ዝግለጽ ድሮ ክልተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ።
ህዝቢ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓራ ዝኾነት ሃገር ክርከብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ምድቓቕ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት ፣ እቲ ጉጅለ ክሳብ 2024 ክሰርር ከምዘይኮነ እዩ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሸበራዊ ጀሚርዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ካብ 1992 ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ባይቶ ጸጥታ ክለዓል ይጠልብ ከምዘሎ ይፍለጥ። ዘይመንግስታዊ በዓል መዚ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኢጋድ ነቲ መንግስቲ ሶማል ቀዲቡ ዘሎ ጠለብ ከምዝድግፎ እዉን ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣባላት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።
ብዘይካ’ዚ ፣ ሶማል ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምምዕባል ናብ ከም ኤርትራን ካልኦት ጎረባብታን ንስልጠና እትልኮ ቊጽሪ ሰራዊት ይዛይድ ምህላዉ ኣይርሳዕን።
ብዘይካ’ዚ፣ ሰለስተ ጎረባብቲ ሶማል ማለት ኢትዮጵያ ፣ ጂቡቲን ኬንያን ኣብ ምድቓቕ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝወፍሩ ተወሰኽቲ ሰራዊት ናብታ ሃገር ክልእካ ምዃነን እዉን ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ተሓቢሩ ነይሩ። እቶም ዝለኣኹ ወተሃደራት ኣካል ናይቲ ኣብ ሶማል ዝነጥፍ ግዝያዊ ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምዘይኮኑን ፡ ኣብ ጎድኒ ስራዊት ሶማል ኮይኖም ኣብ ምቅላስ ኣልሸባብ ብቐጥታ ከምዝሳተፉን እዩ መንግስቲ ሶማል ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ኤማራትን ቱርኪን ኣብ ልዕሊ ሶማል ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን ብምህላወን፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ጀሚርዎ ንዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተውሳኺ ድጋፍ ከምዝኸዉን ኪሕበር ጸኒሑ ኣሎ።