ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ፣ ሕጂዉን ነቲ ብህግደፍ ቀጻሊ ዝሽራሕ ኣሀልዋሲ ዉዲት ኪነቕሓሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ መራሒኡ ጀምርካ ክሳብ ታሕተዎት ዓቀይቶቱ ፣ ንደሃዮም ኣታዊን ወጻኢን እንዳገበረ ንህዝቢ ካብ ምድንጋርን ኣብ ዘየድሊ ግምትን ትረኻን ካብ ምጽማድን ኣየዕረፈን ዘሎ።

ኣብዚ ቅንያት ገለ ኣገልገልቲ ፡ ካብ ንጡፍ ስራሕ ከምዘርሓቚን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥን ንምምሳል ተጀሚሩ ዘሎ ሓጺር ዝዕምሩ ተዋስኦ፣ ንገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘየድሊ መጎትን ትርኽን እንዳሸመመ መኣዝኖም የስሕት ኣሎ።

እዚ ክስቶ ተኣሲሩ፣ እገለ ተሰዊሩ እንዳበልካ ከምኡ ከምዘጋጠመ እንዳምሰልካን መዕለሊን መካትዒን ድራማታት ብምፍጣር ፣ ህዝቢ ብሓፈሻ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ብፍላይ ካብ መኣዝኖም ንምድፋእ ዝግበር ሓቐነ ልሙድ ሜላ ህግደፍ ኮይኑ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ኪረጋገጽ ዝድለ ዘሎ ሓርነት ምስ ምእላይ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ምስ ምህላዉን ዘይምህላዉን ነቲ ጉጅለ ዘካይዱን ዘገልግሉን ዉልቀሰባት ኣዛሚድካ ክርአ ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኽመጽእ፡ ኣብ ስደት ብዉልቆምን ተወዲቦምን ዝንቀሳቐሱ ሃገራዉያን፡ ግዳይ ናይ’ቶም ብህግደፍ ዝብተኑ ጸወታታት ምዃን ክሳብ ዘየቋረጹ፡ ዕላማኦም ክወቕዑ ከምዘይኮኑ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብቐጻሊ ከዘኻኽር ምጽንሑ ይፍለጥ።