ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ቊጠባዊ ልምዕትን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዝዉዕል ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኤሮ ንቱኒዝያ ኪህብ ከምዝኽእል ገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት እቲ ሕብረት ኣርሰላ ቫንደርሌን ምስ ቀዳሞት ሚኒስተራት ሆላንድን ጥልያንን ብሓባር ናብ ቱኒዝያ ኣብ ዝበጽሐትሉ እዩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ነዚ ኣምራጺ ዝእምት ዘሎ፣ ቱኒዝያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ማለት IMF ንዝጠለበቶ ልቓሕ ክሰልጣ እንተኾይኑ ከተማልኦም ዘይትደሊ ገዘፍቲ ቅድመኩነታት ይዘንቡዋ ኣብ ዘለውሉ እዋን እዩ።
ንቅዋምነትን ትካላዉነትን እታ ሃገር ጠምዚዙ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ቃይስ ሳዒድ፡ ነቲ ካብ IMF ዝቐርብ ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ጽገና ጠለብ ከማልኦ ብዘይምዃኑ ፣ ቊጠባ እታ ሃገር ደገፍ ስኢኑ ናብ ምሉእ ዉድቀት ከምርሕ ከምዝኽእል ዝተዓዘበ ኤዉሮጳዊ ሕብረት ፣ ኣብታ ሃገር ዝህሉ ቊጠባዊ ሕንፍሽፍሽ ብመንገዲ እታ ሃገር ንዝውሕዝ ብዝሒ ስደተኛታት ከየዛይዶ ንዘሎ ስክፍታ ንምዝላቕ እዩ ኪሕግዝ ዝጓየ ዘሎ።
ኤሮጳዊ ሕብረት ኣስታት 100 ሚልዮን ካብቲ ኪወሃብ ዝኽእል ልዕሊ 1 ቢልዮን ኤሮ ኣብ ምሕያል ዶባዊ ሓለዋ ቱኒዝያ ክዉዕል ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ዝገዘፈ ናይቲ ዝወሃብ ደገፍ ኣብ ምድልዳል ቊጥባዊ ትሕተቅርጺ ዘይኮነ፡ ኣብ ምትርናዕ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪን መሬትን እታ ሃገር ዝወፍር ከምዝመስል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝግምቱ።
ኤውሮጳ ንቅልውላው ስደት እትህቦ ዘላ ምላሽ ብሓያለ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ይንቀፍ ምህላዉ ኣይርሳዕን። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ መንግስታት ካብ ቀይዲ በተኽ ፖሊሲታት ምቁጽጻር ዶባት ንላዕሊ፡ ኣብ ህይወት ምድሓን ስደተኛታት ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓ ከምዝግባእ ይጽዉዓ።
ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ክንዲ ዘይስሩዕ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣብ ምግጣም ዝያዳ ርህሩህን ሰብኣዊን ኣገባብ ክኽተላ ዘዘኻኽራ እተን ተሓለቕቲ፡ ከም ድኽነት፡ ግጭትን ሕጽረት ዕድላትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጠንቅታት ስደት ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ እየን ዘዘኻኽራ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ካብ ማያዊ ገማግም ሃገራት ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዝብገስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝኽተሎ ዘሎ ተሪር ፖሊሲ ከመሓይሽ ዝጠልብ ኣህጉራዊ ጻዉዒት ይዛይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ-መዚ እቲ ሕብረት ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ሊብያ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣካየድቲ መርበባት ንግዲ ደቂ ሰብ ዘድሊ ምርመራታት ኽካየድ ዝጽውዑ ሰኽስታት ናብ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ኣትዮም ከምዝርከቡ ኣይርሳዕን።