ኣብ ሊብያ ገና ዝቕጽል ዘሎ ዘይሕጋዊን ኣልማሚን ማእሰርቲ ስደተኛታት የሻቕሎ ከምዘሎ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ። እቲ ልኡኽ ብሰኑይ 12 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ሓያለ ከተማታት ሊብያ ዚዛይድ ዘሎ ማእሰርቲን ዓሌታዊ ጽለኣትን ስደተኛታት ቅልጡፍ ኣድህቦን ፍታሕን ኪረክብ ጸዊዑ ኣሎ።

ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ስደተኛታት ካብ ጎደናታትን መንበሪኦምን እንዳተለቕሙ ይዳጐኑ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ ልኡኽ፣ ካብ ኢድ ኣሰጋገርቲን ጨወይቲን ነጻ ወጽዮም ዝበሃሉ ስደተኛታት እዉን ተመሳሳሊ ድጎና ይገጥሞም ምህላዉ የረድእ።
ነብሰጾራት ከይተረፋ ኣብ ጸበብቲን ጽሬቶም ዝተረስዐን ሸላታት ይዳጎና ምህላወን ዘተሓሳሰበ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሊብያ ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ወገናት ከየተረፈ ግዳይ እዚ ኣልማሚ ማእሰርቲ ይኾኑ ምህላዎም ይጠቅስ።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ወሲኹ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብመዚ እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ስደተኛታት ናብ ግብጺ ከምዘሳጐጉ ብምሕባር ዝበዝሑ ካብቶም ዝተሰጒን ንዶብ ግብጺ ብእግሮም ክሰግርዎ ከምእተገደዱ የብርህ። ብዘይካዚ ፣ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ፖሊስ ቀጻሊ ግፋታት የቃንዑን ፣ ነተን ስደተኛታት ንስራሕ ዝእከቡለን ከባቢታት ድማ ቀንዲ ዒላማ ይገብሩ ምህላዎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝቕጽል ዘሎ ቀጻሊ ግህሰት ብተደጋጋሚ ከማርርን ኪወቅስን ዝስማዕ እኳ ኣንተኾነ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘምጸኦ ነባሪ ፍታሕ ከምዘየለ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።

ኣብ ሊብያ ሓቅታት እተጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ደቂኣንስትዮ ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ይቕጽል ከምዘሎ ካብ 2021 ጀሚራ ኪትጽብጽብ ጸኒሓ እያ። እታ ኣጻራዪት ጉጅለ ፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ መዳጎኒ ማኣከላት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ገበናት ኣንጻር ሰባኣዉነት ይፍጸም ከምዘሎ ብምትሕስሳብ ፣ ስደተኛታት ተቐቲሎም ኣብ ጋህሲ ከምዝድፈኑ፣ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ኣካላተን ኪቃጸል ከምዝግበርን ብመለሳ መግቢ ንጾታዊ ርክብ ከምዝሕተታን፣ ናይ ጉዕዞን መልቀቒን ገንዘብ ኪኸፍሉ ዘይከኣሉ ብህይወቶም ከምዝነዱን ካልእን ዝብሉ ኣሰቀቕቲ ገበናት ገና ይቕጽሉ ምህላዎም እያ ትሕብር።

ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማኣከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም ፡ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ 2022 ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፎ ጸብጻብ ምሕባሩ ይዝከር።