ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተነጽሎ ንምዉጻእ፡ ዘሎ ኣማራጺታት ዝምእርር ዘሎ ህግደፍ፣ ወከልቱ ናብ ኣኼባ’ቲ ንዓመታት ከስተናዕቘ ዝጸንሐ ዉድብ ኢጋድ ምልኣኹ ሓቢሩ ኔሩ ። ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብ12 ሰነ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዘካተተ ልኡኽ ኣብ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ንምስታፍ ናብ ጂቡቲ ኣትዮም ኢሉ ነይሩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ፣ ናብ ኢጋድ ናይ ምምላስ ድሌት ከምዘሎ ከነጽር ጸኒሑ እዩ። እቲ መራሒ ኣብ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ኬንያ ዑደቱ ፣ ኤርትራ ናብቲ ዉድብ ኪትምለስ ጸገም ከምዘይብላ እዉን ሃንደበት ኣዉጊዑ ኔሩ።
ህግደፍ ናብ ኢጋድ ክምለሰሉ ደልዩ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ፣ ምስ ጂቡቲ ተበላሽይዎ ዝጸንሐ ዝምድና ንምምሕያሽ በቲ ሓደ፡ ነቲ ዉድብ ካብ ዉሽጢ ኮንኳ ንምፍርኻሹ ድማ በቲ ኻልእ እንተዘይኮይኑ፡ ኪንዮኡ ዝኸይድ ዞባዊ ጠመተ ከምዘየለ ዝሕብሩ ምንጭታት፣ ኤርትራ ብወግዒ ናብ’ቲ ውድብ እንተተመሊሳ ፣ ኣብ ጂቡቲ ብኣምባሳደር ወይ ብቘንስል ዝዉከል ህላዌ ከተረጋግጽ ዘኽእላ ምዃኑ የገንዝቡ።
ዘበላሸዎ ዝምድና ከመሓይሽ ኣብ ዝግደደሉ ኣብ ክንዲ ቀጥታዊ ጽምዶ፡ ዝተናውሑን ዝተሓላለኹን መንገዲታት እንዳዋፈረ ድሌታቱ ዚሸፋፍን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ሕጂ ድሕሪ ልዕሊ 12 ዓመታት ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ኢጋድ ክምለስ ዘሀንጥዮ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ እዋን ኪገሃድ እዩ።
ብተደጋጋሚ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይወግዓዊ ወኪልን ኣሳላጢ ዞባዊ ፖሊሲታትን ሩስያን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ኪነጥፍ ጀሚሩ ምህላዉ እዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብዉልቁን ብመንገዲ ልኡኻቱን ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ተጸሚዱ ብጽሖታት ከሰላስል ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ሓቢረን ኣብ ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ደዉ ክብላ የኽእሉ እዮም ኣብ ዝበሃለሎም ቊጠባዊን ጸጥታዊን መዳያት ንምርዓመን ድማ ኪጽዕር ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ጉጅለ ህግደፍ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብሱዳን፡ ኬንያ፣ ሶማልን ካልኦት መቓርብቲ ሃገራት እዚ ዞባን ከደላድሎም ዝጓየ ዘሎ ዝምድናታት ንረብሓ ህዝብታት እዚ ከባቢ ዘይኮነ፣ እዚ ዞባ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሓቢሩ ኪጸንሕን ምስ ምዕራባዊ ዓለም ዝጸንሖ ዝምድና ኣዛሕቲሉ ናብ ደንበ ሩስያን ቻይናን ከብልን ንምድራኽ እዩ።