ብሰንኪ ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን ሰባት ቊጽሪ ናብ ልዕሊ 110 ሚልዮን ምዕራጉ ላዕለዋይ ትጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጸብጺቡ። ኲናት ዩክሬንን ሓድሽ ኲናት ሱዳንን ነቲ ኩነታት ዘብኣሰ ምዃኑ እዩ እቲ ጸብጻብ ኣገንዚቡ ዘሎ።

“ምሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓደ ሰሚሩ ጠንቂ ምምዝባልን ስደትን ንዝኾኑ ዘለዉ ግርጭታትን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምርካብ እንተዘይተቐላጢፉ፡ እቲ ሰብኣዊ ሓደጋ ክብእስ ምዃኑ እዩ ሓላፊ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ፊሊፖ ግራንዲ ዘተሓሳስብ።

ናይ 2022 ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንጠቕላላ ብዝሒ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ዓለምና ካብ ኣስታት 90 ሚልዮን ናብ ልዕሊ 100 ሚልዮን ክዓርግ ገይሩ ምንባሩ ዝዝክረ ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ተመዝጊቡ ዝንበረ ብዝሒ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ዝለዓለ ምንባሩን፡ ኣብ ምዝዛም እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዓመት ዝህሉ ኣሃዝ እዉም ብተመሳሳሊ ካብ’ቲ ናይ ዓሚ ዝለዓለ ከምዝኸዉን ብኣጋኡ ኪእመት ጸኒሑ እዩ።

ዛጊት ዝተመዝገበ ጠቕላላ ቊጽሪ ተመዛበልቲ ዓለምና ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ 10 ዓመት ተመዝጊቡ ዝነበረ ኣሃዝ ከምዝኾነ እዩ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘረድእ። ኣስታት ፍርቂ ካብ’ቲ ቁጽሪ በቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናት ዝዉከል ኮይኑ፣ ዝተረፈ ልዕሊ ፍርቂ ድማ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኪንይኡን ብምርሓቕ ዝተዓቚቡ እዮም።
ክሊማዊ ምዝንባዕ ዘንቀሎ ሓደጋታት እዉን ካብ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ቅልውላዉ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።

ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብወራር ዩክሬን ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምሕዋይ ስሉጥን ኣብነታዊን ግብረመልሲ የቃንዕ ምህላዉ ዝሕብር UNHCR፡ ነቶም ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምና ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ተመሳሳሊ ግንዛቤን ኣድህቦን ይዉሕድ ብምህላዉ እዩ ብተደጋጋሚ ዝወቅስ።

ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ንልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰላማዊ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰሪቱ ዘሎ ደርቂ ንዝገዘፈ ክፋል ጠንቂ ምምዝባል ህዝብታት እዚ ዞባ ወኪሉ ምህላዉ እዩ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዘመላኽት።