ፍርቆም ኤርትራዉያን ዝኾኑ 134 ስደተኛታት ብ 12 ሰነ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ከምዝገዓዙ ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ብህጹጽ መስርሕ ምስግጋር ዝተቓንዐ ምግዓዝ ስደተኛታት ፡ ኣብ 2023 ንኻልኣይ ግዜእኡ ዝተቓንዐ ኮይኑ፣ ብዝሓሸ ቅልጣፈን ምሕደራን ተመሳሰልቲ በረራታት ንምክያድ ተተሊሙ ከምዘሎ እዩ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዝሕብር።
ኣብቲ ናይ 12 ሰነ ምግዓዝ፣ 64 ኤርትራዉያን፣ 35 ሱዳናዉያን፣ 17 ኢትዮጵያዉያን ፣ 15 ሶማላዉያን ፣ ክልተ ደቂ ካሜሮን ሓደ ድማ ወዲ ማሊ ብሰላን ናብ ርዋንዳ ኣትዮም ኣብ ከባቢ ርሰከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ብ ጋሽራ ዝጽዋዕ መጻንሒ ማእከል ኣጽሊሎም ኣለዉ።
ኣብ ምዝዛም 2021 ፡ ርዋንዳ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2019 ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝኣተወቶ ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደጋ ንዝተዓግቱ ስደተኛታት ኽትቅበል ዝዓለመ ዉዕል ዘሐድስን ዘቐጽልን ካልእ ዉዕል ደጊማ ምኽታማ ኣይርሳዕን።
በቲ ዝተኸተም ሓድሽ ውዕል መሰረት ፡ ርዋንዳ ንገለ ካብቶም ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ክሳዕ 31 ታሕሳስ ናይ 2023 በብመድረኹ ተቐቢላ ግዝያዊ መጽለሊ ኽትህብ ዘኽእል እዩ።
እቲ ሩዋንዳ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ኽትቅበል ዝዓለመ መደብ ከም ሰብኣዊ ዝርእይዎ ሓያለ ወገናት እኳ እንተሃለዉ፣ እታ ሃገር ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መለሳ ዝወሃባ ልዑል ገንዘብ ስለዘሎ እዩ ዝብልዉ ወገናት እዉን ዉሕዳት ኣይኮኑን።
ርዋንዳ ኣብ ምቕባልን ምዕቋብን’ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ድሕነት ወይ’ውን ተቐባልነት ዝስእኑ ስደተኛታት ልዑል ዝኾነ ተገዳስነት ኣርእያ ትሰርሕ ከምዘላ ይግለጽ። መንግስቲ እታ ሃገር ካብ 2016 ኣትሒዙ ብመለሳ ገንዘባዊ ጉንዖ ምስ መንግስቲ እስራኤል ምስጢራውያን ስምምዓት እንዳኣተወ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣብ እስራኤል ተቐባልነት ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ክቕበል ተራእዩ እዩ።
ኣብ ድሕነት ስደተኛታት ዝነጥፋ ዝተፈላለያ ኣካላት ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ውድባትን መንግስታትን ብጉዳይ ስደተኛታት ዝኣትዎም ስምምዓት ብመሰረቱ ገንዘባዊ ኣታዊ ንምርካብ ከምዝኾነ እየን ዝወቕሳ ።
መንግስቲ እስራኤል ንርዋንዳ ልዑል ገነዘባዊ ሓገዝ ብምቕራብ ነቶም ካብ ሃገሩ ክኣልዮም ዝደሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትቅበል ኣብ ዝተሰማምዓሉ፡ ነቶም ካብ እስራኤል ዝስደዱ ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ናይ ናብራን ስራሕን ውሕስነት ከምዝረኽቡ እዩ መብጽዓ ተኣትዩ ኔሩ።
እንተኾነ፡ እቶም ስደተኛታት ርዋንዳ ኣብ ካብ ዝበጽሑሉ ዝተዋሕሰሎም ነገር ብዘይምንባሩ ዳርጋ ኩሎም ናብ ኡጋንዳ ብስግረዶብ ክኣትዉን ጸኒሖም ናይ ዓቕሊ ጽበት ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ብቐጸልቲ ሓደጋታት ከምዝሓለፉ ኣይርሳዕን።