ኣብ ክልል ኣምሓራ ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ እታ ክልልን ሰራዊት ፈደራልን ዘሎ ምትፍናን ገና ይቕጽል ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ጎጃም ጽዒቘም ዘለዉ ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ይበጽሕ ምህላዉ ይንገር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓር ጥሩፋዊ ሽበራ የራብሑ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ድሕሪ ምጅማሩ ፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት እታ ክልልን ምልዉዋጥ ተዂሲ ይዛይድ ከምዘሎ ክንገር ጸኒሑ እዩ። በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዛይድ ዘሎ ግጭት ድሮ ሓያለ ሰባት ይቕተሉ ከምዘለዉ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ኲናት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዉን ክድገም ከምዝመስል የረድኡ።
መንግስቲ ፈደራል ሒደት መዓልታት ድሕሪ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብታ ክልል ብዕጡቓት ወገናት ምቕታሉ፣ ነቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምዝጀመረ ብወግዒ ሓቢሩ እዩ።
ንሕገመንግስቲን ክልላዊ ምሕደራን እታ ክልል ጨዉዮም ሓይሊ ንምምንዛዕ ኣብ ልዕሊ ዝጓየዩ ዘለዉ ወገናት ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣደብ ንምትሓዝ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ እዩ እቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያ፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ከምኡ’ዉን ፈደራል ፖሊስ ዘካተት ሓይሊ ዕማም ዘተሓሳስብ።
እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባዊን ብረታዊን ተቛዉሞ እዉን ብከፊሉ መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ዝንገር እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ካልእ ምዃኑን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ዘሎ ዘይምትእምማን ዕለታዊ ይዛይድን ምህላዉ ይፍለጥ።
ክሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ተነጊሩ እዩ።