ካልኣይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ናብ ምዕራባዊ ከባቢታት የጽዕቕ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሩ። ሓይልታት ዳዕመል ኣልሰሪዕን መሻርኽቶምን ዓሌታዊ ህልቂት ይፍጽሙን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ሲቪላዊ ዕላማታትን ከቢድ ዕንወት የውርዱን ከምዘለዉ ብቓልዕ ዝወቐሰ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ብ14 ሰነ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ግጭት ሓይሉ ከምዘሎ ይንገር።
ኣማሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ቃሚስ ኣቡባካር ኣብ ተሌቭዢን ኣልሓዲስ ቀሪቡ ንሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕን ምስ ወቐሰን ኲናት ሱዳን ንምግታእ ኣህጉራዊ ምትእትታዉ ኪግበር ምስ ጸዉዐን፣ ድሕሪ ኣዝየን ውሑዳት ሰዓታት እዩ ተቐንጺሉ።
ሰራዊት ሱዳን እቲ ቅትለት ብሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ምክያዱ ይኸሱ እኳ ኣንተለዉ፣ እቶም ሓይልታት ነቲ ክሲ ካብ ምንጻግ ኣየዕረፉን። በቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ዛጊት ልዕሊ 950 ሰላማዉያን ሰባት ከምተቐትሉን ብኣሽሓት ካልኦት ከምዝቘሰሉን እዩ ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ዝገልጽ።
ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ምስ ዘሎ ጻዕቂ መኽዘናትን መዐደሊን ነዳዲ፣ በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናይ ዝስዕብ ነትጒን ባርዕን ብዝሒ ይተዓጻጸፍ ምህላዉ እዉን ይሕበር። ዛጊት እቲ ኲናት ንኣሳታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ከምዘሎ ፣ ልዕሊ 500 ሽሕ ካብ’ቲ ተፈናቓሊ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደመ ምዃኑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይጽብጽቡ።
ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።
ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ናብ’ቲ ኮሊፎሞ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሓጺር እዋን ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ኩነታት እታ ሃገር ብቐሊሉ መምለሲ ኪርከቦ ናብ ዘይክእል ዉድቀት ኪሽመም ምዃኑ እዮም ንእዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ሱዳን ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ዘተሓሳስቡ።