ኣማኢት ስደተኛታት ኣሳፊራ ነይራ ኪትከዉን ከምትኽል ዝተነግረላ ጃልባ ኣብ ማያዊ ገማግም ግሪኽ ብምጥሓላ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 70 ሰባት ምጥፋኡ ተሓቢሩ።
ሰብመዚ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ካልኦት ልዕሊ ሚእቲ ሰደተኛታት ብህይወት ወጽዮም ምህላዎም ጠቒሶም፣ ካብ ዝደሓኑ ወገናት ኣብታ ጃልባ ኣስታት 400 ሰባት ነይሮም ዝብል ዘረባታት ይደጋገም ብምህላዉ ግን ብዝሒ ምዉታት ክተዓጻጸፍ ከምዝኽእል የተሓሳስቡ።
ኣብታ ኣብ ምጅማር እዚ ሰሙን ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ናብ ጥልያን ተምርሕ ዝነበረት ዓባይ ጃልባ ብማዕበል ተደፊኣ ኣብ ማያት ግሪኽ ምጥሓላ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ መንእሰያት ምንባሮም እዉን ይንገር።
ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገረ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ82 ሚእታዊት ከምዝዓቢ ዝሕብር ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ’ቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ናይ ዝጠፍአ ህይወት ስደተኛታት ብዝሒ እዉን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዓመት እዚ ምዝያዱ የረድእ። ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ 2022 ኣስታት 800 ስደተኛታት ኣብቲ ማያዊ መስመር ህይወቶም ኪጠፍ እንከሎ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ግን ህይወት ናይ ልዕሊ 1,500 ሰባት እዩ ጠፊኡ ዘሎ።
ማዕበላዊ ባህሕሪ ማኣከላይ ባሕሪ ዝሃድኣሉ ወርሓት ተኣኣትዩ ብምህላዉ፣ ቊጽሪ ናይ’ተን ልዕሊ ዓቕመን ብዝሒ ስደተኛታት ኣሳፊረን ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገሳ ዘለዋ ጀላቡ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ዝሕብር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፣ ኣብ ጉዕዞ ሓደጋ ዝገጥሞምን ብኣባላት ሓልዋ ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ተታሒዞም ናይ ዝምለሱን ስደተኛታት ብዝሒ ከምዘይጎደለ እዩ ዘተሓሳስብ።