ብሰሪ ስርቅን ምጥፍፋእን ፣ ካብ ኣመሪካን ዓበይቲ ኣህጉራዉያን ኣካላትን እትረኽቦ ሰብኣዊ ረድኤት ከሲራ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ጉዳይ ግቡእ መስርሕ ምጽራይ ከተካይድ ምዃና መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ብ15 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ተኻዪዱ ዝበሃል ስርቂ ግቡእ ምጽራይ ተኻዪድሉ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኪጉየ ምዃኑ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን እታ ሃገር ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣመሪካዊ መዘናኡ ኣንቶኒ ብሊንከን ተራኺቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዳይ ረድኤት ጎኒፉ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኪስረሓሎም ዘለዎ ኣመራጺታት ድሕሪ ምዝታዩ እዩ።
እታ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብታ ክልል ንዘሎ ስርቂ ረድኢት ንምጽራይ ዘጣየሳ ጉጅለ እዉን ብ15 ሰነ መባእታዊ ጸብጻብ ስራሓ ኣቕሪባ ኣላ። እታ ጉጅለ ኣብ ጸብጻብ፡ በቲ ስርቂ ዝሕተቱ ኩሎም ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኪሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ምዃኖም ጠቒሳ፣ በቲ ገብን ተሓተቲ ምዃኖም ዛጊት ተለልዮም ካብ ዘለዉ 186 ሰባት ድሮ ሸዉዓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ፍርዳዊ መስርሕ ይሓልፉ ምህላዎም ሓቢራ።
USAIDን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ጠቕሊሎም ንኢትዮጵያ ኪህብዎ ዝጸንሑ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘይተወሰነ እዋን ደዉ ከብልዎ ምዉሳኖም ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብኣመሪካዊ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ማለት USAID ጸኒሑ ድማ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ተወሲዱ ዘሎ ረድኤት ናይ ምቊራጽ ስጒምቲ ካልእ መዘዝ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ዉሳኔ ፈልዩ ከምዘይርእዮ ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ11 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፣ እቶም ትካላት ወሲዶምዎ ዘለዉ ስጒምቲ ንኹሉ ኣልሚሙ ዝለኻኽም ሓደገኛን ኢሰብኣዊን ምርጫ ምዃኑ ብምጥንቃቕ፣ ዓሰርተታት ሚልዮናን ሰባት ብኲናትን ደርቂን ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት እንዳሃለዉ ከምዚ ዝበለ ሽፉን ስጒምቲ ምዉሳድ ዝበኣሰ ዕንወት ክህልዎ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
USAID ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከካይዶ ብዝጸንሐ ናይ ባዕሉ መጽናዕቲ፣ ኣብ 7 ካብ 9 ክልላት ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ካልእ ዉልቃዊ ረብሓ ይዉዕል ምህላዉ ከምተዓዘበ ከሲሱ ነይሩ። ካብ 2022 ጥራይ ዛጊት ከባቢ 1.8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሰባኣዊ ደገፍ ንኢትዮጵያ ምቕራባ እያ ኣመሪካ እትገልጽ።