ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ናብ ስደት ኣርሒቑ ናይ ዘሎ ብዝሒ ደቂን ስድራን ስዉኣት ወገናትና እንትዝቚጸር ፣ ህግደፍ ክሳዕ ክንደይ ሕድሪ ሰማእታትናን ቀቲሉ ምህላዉ ንኽትፈልጥ እኹል ኣብነት ምኾነ ክብሉ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ሕድሪ ሰማእታትና ዓመት መጸ ብዝቈናጆ ቴማን ብዝንደቕ ቊዘማን ዝፍጸም ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ መጻኢ ወለዶታት እንዳቐተልካ ብስም ጀጋኑን ሰማእቲን ምምሓል ብድሕሪ ጀጋኑን ሰማእቲን ምሕባእን ልሙድ ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ደቈምን ህዝቦምን ርህዪዎም ኪነብሩላን ክለምዑላን መስዋእቲ ከፊሎም ዝተፈልዩና ጀጋኑና፣ ዉሉዶም ቤተሰቦምን ፍቐዶ ስደት ይሓስሩን ዓይኒ ጓኖት ይሪኡን ከምዘለዉ እንተዝሰምዑ ፣ ሕድሮምን ዕላማ ኤርትራዊ ገድሊን ኪንዮ ሓጹር ተደርቢዩ ምህላዉ ምተገንዘቡ ነይሮም።

ደቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተረፉ ዘርሕቑላ ዘለዉ ኤርትራ ፣ ሕድሪ ሰማእቲ ዝትግበረላ ዘሎ ሃገር ኣምሲልካ ስዉኣት ኣብ ዘለዉዎ ኪዓርፉ ዝግበር ናይ ሓሶት ጻዉዒትን ቁዘማን ዘስድዖ ዜጋ ውሑድ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ስዉኣትን ሕድሮምን ብጉጅለ ህግደፍ ዝቕጽል ዘሎ ኣሽካዕላል ግን ብመደብ ኪቕጽል ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

ህዝብና ነቶም ኣብ ፈለማ ንልዕልናኡ፡ ድሒሩ ድማ ንቐጻልነቱ ከም ሃገርን ህዝብን ክብርቲ ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታት፡ ሕድሮም በቲ መንግስትነት ምስ ሓዘ ምልክነት ዝመረጸ ናይ ውሑዳት ወገን ገና ተጨዉዩ ምህላዉ እንዳሕዘኖ’ዩ ሰማእታቱን ጀጋንኡን ዕለታዊ ዝዝክር።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ኤርትራዊ ፡ ነቶም ነዚ ሕጂ ዝሓልፎ ዘሎ መከራ ከብቅዕ ዝወደቚ ሰማእታቱ ሕድሮም ብዘለዎ ኸይጠፍእ ምስ ነብሱ ቃል እንዳኣተወ፤ ሰማእታቱ ንዝሓለፉሉ ዕላማ ኽዉን ንምግባር ገዚፍ ዕዮ ተሪፉዎ ከምዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንክብሪን ሕድሪን ሰማእታቱ፡ ካብዚ ሕጂ ወሪዱዎ ዘሎ ጸገም ፈልዩ ብምርኣይ፡ ንሰማእታቱ ዘለዎ ክብሪ ከምዘየጉደለ ፣ እንተኾነ – ሰምእታትና ነዚ ሕጂ ሕሰምና ዘሩጉድ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ስልጣን ከምጽኡ ከምዝሞቱ ኣምሲልካ ብገለ ዘይሓላፍነታውያን ወገናት ተለሚዶም ዘለዉ መግለጺታትን ቀጻሊ ከምዝሓዝን ይዛረብ።