ኬንያ ንመራሕቲ ሓይልታት ዳዕመል ኣልሰሪዕ ተዕቁብ ኣላ ክብል መራሒ ግዝያዊ ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ከሲሱ።

እቲ መራሒ ነዚ ክሲ እዚ ዘነጸረ፣ ኢጋድ ኣብቲ ኲናት ሱዳን ንኽፈትሕ ኢሉ ኣቚምዎ ዘሎ ብኣርባዕተ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ዝምእዘን ጉጅለ ፣ መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከም ኣቦመንበር ኮይኑ ኪነጥፍ ንዝቐረበ ሓሳብ ፣ ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ከምዘይቅበሎ ኣብ ዝሓበረሉ እዩ።

ዝሓለፈ 12 ሰነ ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራቱ ዘቃንዐ እቲ ዉድብ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ንምሽምግላ መዚዝዎ ንዝጸንሐ መራሒ ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መራሒ ኬንያ ኪሕወሶም ኣብ ዉሳኔ ምብጻሑ ይንገር።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብሓሙስ ምስ’ቲ ኣብዚ እዋን ኣቦመንበርነት ኢጋድ ሒዙ ዘሎ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ብተሌፎን ተራኺቡ ብዛዕባ ኬንያ ዘለዎ ስክፍታታት ብምንጻር፣ ነቲ ሸምጋሊ ኣካል ኪመርሕ ፈለማ ዝተመዘዘ መራሒ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቦታኡ ኪቕጽል ንዘሎ ድሌት ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ፣ ኬንያ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሱዳን ወገን ሒዛ ንመራሕቲ ዳዕመል ሰሪዕ ተደጋገፍን ትሓቊፍን ከምዘላ እዩ ዝኣምን። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን እዉን ተመሳሳሊ እምነት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰብ ስልጣን ኬንያ ንኩነታት ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዝህብዎም መግለጺታት ናይ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጸግዒ ምዃኖም ከውክኡ ምጽንሖም እዩ ዘተሓሳስብ።

እንተኾነ ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ይኹን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን እቲ ብኢጋድ ነቒሉ ዘሎ ተበግሶ ዘተ ሰላም ክቕጽል ድሌቶም ምዃኑ ኣይሓብኡን።
ብኢጋድ ተረቚሖም ዘለዉ ኣርባዕተ መራሕቲ ፈላም ርክቦም ምስ ኣካየዱ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልታት ምስ ጀነራል ኣቡርሃን ከምኡ’ዉን መራሒ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጀነራል ሓመቲ ኪራኸቡ እዮም ።

ማእከላይ ዕላማ ናይታ ሸምጋሊት ኣካል ፣ ነቲ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ጽዒቚ ብዘሎ ኲናት ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ውሑስ መስመራት ረድኤት ንምርግጋጽ ከምኡ’ዉን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ባይታ ብምቕናዕ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኣልቡርሃንን ሓመቲን ዘሎ ብረታዊ ግጭት ፍታሕ ንምርካብ እዩ።