በቲ ኣብ ሱዳን ናብ ሳልሳይ ወርሑ ዝኣቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3,000 ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ 6,000 ካልኦት ድማ ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር ኣሎ። በቲ ኲናት ድሮ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ፡ ካብዚ ድማ እቲ ሓደ ርብዒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርሒቚ ምህላዉ እዩ እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኪወጽእ ዝጸንሐ ጸብጻብ ዘራጒድ።
በቲ ኣብ ከተማ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣመና ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ስዒቡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ተቕቲሉ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ምህዳሞም ይንገር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሕጂዉን ካብ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ዝጀመረ ንናይ 72 ሰዓታት ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ እቲ ስምምዕ ከም ልሙድ ይጠሓስ ከምዘሎ ይወቕሱ። ሰራዊት መንግስቲ ንዘለዎ ናይ ሓይሊ ኣየር ጸብለልታ ተጠቒሙ፡ ነቶም ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምስ ህዝቢ ተሓዊሶም ዘለዉ ዕጡቓት ዳዕመልሰሪዕ ካብ ምጥቃዕ ኣየዕረፉን ዘለዉ።
ዝሓለፈ ቀዳም ጥራይ ነፈርቲ ኲናት ኣብ ሓደ ከባቢ ካርቱ ብዘካየድኦ ደብዳብ ብዉሑዱ 17 ሰባት ተቐቲሎም’ እዮም።
ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።
ኢጋድ ኣብቲ ኲናት ሱዳን ንኽፈትሕ ኢሉ ኣቚምዎ ዘሎ ብኣርባዕተ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ዝምእዘን ጉጅለ ፣ መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከም ኣቦመንበር ኮይኑ ኪነጥፍ ንዝቐረበ ሓሳብ ፣ ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ከምዘይቅበሎ ጀነራል ኣቡርሃን ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ እዩ። ዝሓለፈ 12 ሰነ ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራቱ ዘቃንዐ እቲ ዉድብ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ንምሽምጋላ መዚዝዎ ንዝጸንሐ መራሒ ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መራሒ ኬንያ ኪሕወሶም ኣብ ዉሳኔ ምብጻሑ ይንገር።
ጀነራል ኣልቡርሃን ፣ ኬንያ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሱዳን ወገን ሒዛ ንመራሕቲ ዳዕመል ሰሪዕ ተደጋገፍን ትሓቊፍን ከምዘላ እዩ ዝኣምን። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን እዉን ተመሳሳሊ እምነት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰብ ስልጣን ኬንያ ንኩነታት ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዝህብዎም መግለጺታት ናይ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጸግዒ ምዃኖም ከውክኡ ምጽንሖም እዩ ዘተሓሳስብ።
እንተኾነ ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ይኹን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን እቲ ብኢጋድ ነቒሉ ዘሎ ተበግሶ ዘተ ሰላም ክቕጽል ድሌቶም ምዃኑ ኣይሓብኡን።
ብኢጋድ ተረቚሖም ዘለዉ ኣርባዕተ መራሕቲ ፈላሚ ርክቦም ምስ ኣካየዱ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልታት ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ከምኡ’ዉን መራሒ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጀነራል ሓመቲ ክራኸቡ እዮም ። ማእከላይ ዕላማ ናይታ ሸምጋሊት ኣካል ፣ ነቲ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ጽዒቚ ብዘሎ ኲናት ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ውሑስ መስመራት ረድኤት ንምርግጋጽ ከምኡ’ዉን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ባይታ ብምቕናዕ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኣልቡርሃንን ሓመቲን ዘሎ ብረታዊ ግጭት ፍታሕ ንምርካብ እዩ።
ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ናብ’ቲ ኮሊፎሞ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሓጺር እዋን ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ኩነታት እታ ሃገር ብቐሊሉ መምለሲ ኪርከቦ ናብ ዘይክእል ዉድቀት ኪሽመም ምዃኑ እዮም ንእዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ሱዳን ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ዘተሓሳስቡ።