ኣስታት 80 ናይ ኤርትራ ፓስፖርትታት ሓቢኡ ናብ ኡጋንዳ ኪኣቱ ዝፈተነ ኤርትራዊ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ሰብመዚ ፖሊስ ኣቬሽንን ክፍሊ ኢሚግሬሽንን እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ተታሒዙ ዘሎ ኤርትራዊ ዓሊ ሓሰን ሂዳ ብዝብል ስም ተለሊዩ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ተፍትሽ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈላለየ ምኽኒት ገይሩ ኪሰግር እኳ እንተፈተነ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ንዝነበረ ክብድ ዝበለ ቦርሳ ኪፍተሽ ኣብ ዝተኻእለሉ ግን ዓሰርተታት ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ከምተረኽበ ፣ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ ሲሞን ፒተር ሙንደዪ ይገልጽ።

እቲ ተቐዪዱ ዘሎ ኤርትራዊ፣ ሒዝዎ ዝጸንሐ ፓስፖርታት ዋናታቱ ኣብ ኡጋንዳ ድዮም ኣብ ካልእ ሃገር ዝነብሩ ኪሕብር ከምዘይከኣለ እዉን ተፈሊጡ ኣሎ።
መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ብሓያለ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ መርበባት ከም መንጽሂ ሰነዳት መገሻ እዩ ዝርአ። ንሰብ መዚ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወይ ዉን ሓለፍቲ ኢሚግሪሽን ብላዕ ብምቕራብ ሰነዳት መገሻ ማሕተም ኪቕመጠሎምን ሕጋዉነት ኪለብሱን ምርኣይ ልሙድ ከምዝኾነ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።

ብዙሓት ኣብታ ሃገር ብፓስፖርት ኣትዮም ዑቕባ ዝሓቱን ናይ ስደተኛ ወረቐት ዝሕዙን ሰባት ፣ ፓስፖርቶም ንሕማቕ እዋን ሓቢኦሞ ብምጽናሕ ዝኾነ ፓስፖርት ዘድሊዮ ናይ መገሻ ዕድል ኣብ ዝርከበሉ ገንዘብ ከፊሎም ንጡፍነቱን ሕጋዉነቱን ከረጋግጹ ከምዝጓየዩ ይንገር።

ኣብ ኡጋንዳ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝግበር ኣተሓሕዛ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ዝሓሸ ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ ፥ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ`ታ ሃገር ክጸንሑን ግዝያዊ መንብሮ ኪፍትኑንን ዝመርጹ ኤርትራዉያን ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ኣይርሳዕን። መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እወታዊ ኣረኣእያ ከምዘለዎን፡ ኤርትራዉያን ኣብ ቊጠባ ኡጋንዳ ዘይነዓቕ ጽልዋ ወኒኖም ምህላዎም ከምዝኣምንን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ከምዚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኣጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ ከጋጥም ከሎ ግን እቲ መንግስቲ ኣረኣእያኡን ኣተሓሕዛኡን ከይቅይር ዘሰክፍ እዩ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ዝረኸብዎ ስራሕ ክሰርሑን ወፍሪ ከውፍሩን ኣዚዩ ንኡስ ቊጽጽርን ቅድመ-ኲነትን ዘካትት ምሕደራ ተግባራዊ ገይሩ ብምህላዉ ፥ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ከተማ ካምፓላ ብፍላይ ካብታ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝበላ ከባቢታት ድማ ብሓፈሻ ትካላት ደኲኖም ማል ዘኻዕብቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ይዛይድ ምህላዉ ይንገር።

ኣብ ኡጋንዳ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከምዝርከቡ እዩ ሰነዳት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነጥፍ ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር ዘረድእ።