ብዝሒ ግዳያት እታ ኣብ ማያዊ ገማግም ግሪኽ ጥሒላ ዝተባህለት ዓባይ ጃልባ ናብ ኣማኢት ዝዓርግ ከምዝመስል ይሕበር ኣሎ። ኣብታ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝጠሓለት ጃልባ ልዕሊ 700 ሰደተኛታት ምንባሮም ተረጋጊጹ ዘሎ ኮይኑ ፣ ዛጊት ሬሳ ናይ ኣስታት 80 ግዳያት ክርከብን ህይወት ናይ ከባቢ 100 ካልኦት ጥራይ ክድሕንን እዩ ክኢሉ ዘሎ።
እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ሻዱሻይ መዓልቲ ተበጺሑ ብምህላዉ ፣ እቶም ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣስታት 500 ካልኦት ብሂወት ክጸንሑ ይኽሉ እዮም ንዝብል ተስፋ ኣቕሂምዎ ከምዘሎ እዮም ኣብ ስርሒታት ምድሓንን ምንዳይን ህይወት ሰደተኛታት ወፊሮም ዝርከቡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ዝዛረቡ።
ሓያለ ትካላት ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ማያት ግሪኽ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ተሻቒሎም ኣብ ዘውጽእዎ ዘለዉ መግለጺታት ፣ እቲ ሓደጋ ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ንዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞን ዋሕዚን ስደት ግቡእ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ነባሪ ፍታሕ ኪርከበሉ ዘዘኻኽር ምዃኑ የተሓሳስቡ ኣለዉ።
እታ ሓደጋ ዝገጠማ ጃልባ ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ናብ ጥልያን ተምርሕ ኣብ ዝነበረትሉ ብማዕበል ተደፊኣ ኣብ ማያት ግሪኽ ምጥሓላ ተሓቢሩ እዩ። ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ መንእሰያት ምንባሮም እዉን ይንገር።
ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገረ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ82 ሚእታዊት ከምዝዓቢ ዝሕብር ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ’ቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ናይ ዝጠፍአ ህይወት ስደተኛታት ብዝሒ እዉን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዓመት እዚ ምዝያዱ የረድእ።
ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 26,950 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኑንን ደሃዮም ከምዝጠፍአን እዩ።