መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ካብ መሸጣ ወረቐት በረራ ዘእተዎ 2.5 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ክርከቦ ተጸጊሙ ምህላዉ ከሲሱ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ናይጀርያ እዉን ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኪርከቦ ከምዘይከኣለ ኣረዲኡ።
ድሕሪ ወገናዊ ስምምዕ ሰላም መራሒ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ኤርትራ በረራኡ ኣሐዲሱ ኣብዚ ግዜ እዚ ክሳዕ ሰለስተ ግዜ ንሰሙን ዘበጻጽሕ ዘሎ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ ኤርትራ ብባጤራ ናቕፋ ዝኸዘኖ ሽያጥ ወረቐት በረራ ናብ ዶላር ተቐዪሩ ኪወሃቦ ሓቲቱ ዛጊት ከምዘይሰለጦ እዩ ዝጠርዕ ዘሎ።

ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣሎ ዝብል ምኽንያት ከምተዋህቦ ዝጠቐሰ እቲ መንገዲ ኣየር፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኪፍታሕ እንተዘይክኢሉ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ማለት IATA ሓገዝ ኪሓታት ምዃኑ እዩ ዘጠንቅቕ ዘሎ።

ኣብ ናይጀርያ እዉን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ልዕሊ 80 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ ኪቕበሎ ዘይከኣለ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምምኽናይ እንተተለሚዱ ፣ ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ከቢድ ዕንወት ኪወርድ ምዃኑ እዩ ዘተሓሳስብ።

ህግደፍ ንሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣመኽኒዩ ዓጊትዎ ዘሎ ገንዘብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኪንዮ ባጤራዊ ምሕደራ ዝኸይድ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ምንጭታት ግን፣ እቲ ጉዳይ ዝነእኣሰ ክፋል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ዝገፍሕ ዘሎ ምርሕሓቕ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ንሓያለ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ስግር ባሕርን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ተገልገልቲ ከይተረፈ ኣብ ዝሸጦም ቲኬታት ብዙሕ ሕንፍሽፍሽን መረረታትን ኪምዝገብ ተራእዩ እዩ።

ዓመታዊ ካብ ጽላት ዕደና፣ ሓዋላ፣ ወደባዊ ኣገልግሎታትን ካልን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝኽዝን ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ገዛእቲ ስርዓታት እቲ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ፍጹም ክስከፍ ዘይክእል ምዃኑ ርዱእ እዩ።