ልዕሊ 100 ሚልዮን ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ዝነብሩላ ዘለዉ ዓለምና፡ ሎሚ 20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ተብዕል ኣላ።
ነቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳያት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትUNHCR ከምኡ’ዉን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት IOMን ካልኦት ተሓለቕቲ ኣካላትን ኣብ ዘዉጽእዎም መግለጺታት፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቤት ንብረቶም ገዲፎም ንዕቚባ ናይ ዝመጽኡ ወገናት ድሕነት ክረጋገጽ ኣትሪረን ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ብሰንኪ ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን ሰባት ቊጽሪ ናብ ልዕሊ 110 ሚልዮን ምዕራጉ ላዕለዋይ ትጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጺቡ እዩ። “ምሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓደ ሰሚሩ ጠንቂ ምምዝባልን ስደትን ንዝኾኑ ዘለዉ ግርጭታትን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምርካብ እንተዘይተቐላጢፉ፡ እቲ ሰብኣዊ ሓደጋ ክብእስ ምዃኑ እዩ ሓላፊ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ፊሊፖ ግራንዲ ዘተሓሳስብ።
ዛጊት ዝተመዝገበ ጠቕላላ ቊጽሪ ተመዛበልቲ ዓለምና ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ 10 ዓመት ተመዝጊቡ ዝነበረ ኣሃዝ ከምዝኾነ እዩ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘረድእ። ኣስታት ፍርቂ ካብ’ቲ ቁጽሪ በቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናት ዝዉከል ኮይኑ፣ ዝተረፈ ልዕሊ ፍርቂ ድማ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኪንይኡን ብምርሓቕ ዝተዓቚቡ እዮም።
ክሊማዊ ምዝንባዕ ዘንቀሎ ሓደጋታት እዉን ካብ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ቅልውላዉ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።
ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብወራር ዩክሬን ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምሕዋይ ስሉጥን ኣብነታዊን ግብረመልሲ የቃንዕ ምህላዉ ዝሕብር UNHCR፡ ነቶም ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምና ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ተመሳሳሊ ግንዛቤን ኣድህቦን ይዉሕድ ብምህላዉ እዩ ብተደጋጋሚ ዝወቅስ።
ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ንልዕሊ 2 ሚልዮን ሰላማዊ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰሪቱ ዘሎ ደርቂ ንዝገዘፈ ክፋል ጠንቂ ምምዝባል ህዝብታት እዚ ዞባ ወኪሉ ምህላዉ እዩ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዘመላኽት።