ብዘይሕጋዊ መንገዲ መጽዮሙኒ ንትብሎም ሓተቲ ዑቕባ ከተሳጒግ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ እትርከብ ብሪጣንያ፣ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ሓደስቲ ስደተኛታት ብጀላቡ ኣትዮምዋ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ብማያዊ መሰምር መትረብ ኣንግሊዝ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ወርሒ ሰነ ናይ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብዝሒ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ቊጽሪ ብከባቢ ሓደ ሽሕ ጥራይ ዝጎድል ምዃኑ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ፣ ብመትረብ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ስደተኛታት ፣ ካብታ ሃገር ሻቡ ኪጥረዙ ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪ ሕጂ እዉን ከይኣትዉ ንምኽልካሎም ሕጊ ምንዳፉ ይፍለጥ። ብመሰረት ኽትግበር ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ በቲ ማያዊ መስመር ብዘይጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣቱ ስደተኛ ኣብ’ታ ሃገር ከይጸንሕን ዳግም ናብታ ሃገር ከይኣቱን ክእገድ እዩ።
እንተኾነ ፣ እቶም ተረርቲ ዉሳኔታት በቲ ማያዊ መስመር ንዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኪገትኡ ኣይረኣዩን ዘለዉ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ናብታ ሃገር ዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝሕልን ዉዕል ምሉእ ሕጋዉነት ንምልባስ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር እቲ መደብ ንመትከላት ውዕል ቬና ዘይ-ጻረርን ንምትግባሩ ከሰክፍ ዘይብሉን ምዃኑ ኣቐዲሙ እኳ ተተቐበሎ ፣ እቲ ዉሳኔ ብሓያሎ ፍርዳዉያን ኣካላት እታ ሃገር ተወሳኺ ተቛዉሞ ስለዝገጠሞ ግና ብተወሳኺ ፍርዳዊ መስርሕ ኪሓልፍ ተገይሩ ዳግማይ ተቐባልነት ምርካቡ ይፍለጥ።
በቲ ማያዊ መስመር ዘየቋረጸ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ድጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ንመሰል ስደተኛታት ዝሕለቓ ትካላት ብሪጣንያ፡ እቲ ወጽዩ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ንመሰረታዊ ሕጋጋት ኣህጉራዊ ዉዕላት ዝጻባእን ንምትግባሩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ከምዝኾነ ብምምጓት መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ኣትሪረን ካብ ምጽዋዕ ኣየዕረፋን።