ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ጸብጻብ ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዝርከቦም ዛዕባታት ብምስማዕ መበል 53 ኣኼባኡ ብ19 ሰነ ጀሚርዎ ኣሎ።

ኣብ’ቲ መኽፈቲ ዕለት ሓላፊ ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ሱዳናዊ መሓመድ ዓዱሰላም ባቢኬር ፣ ንኩነታት ሰባኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ዝተሰነደ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ መብርሂ ሂቡ።
ኣቶ ባቢኬር ኣብ መደርኡ፣ ሕጂ’ዉን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ብሕሱሙ ይቕጽል ከምዘሎ ብምርዳእ ፡ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዝቕጽሉ ዘለዉ ግህሰታት ዘርዚሩ።

ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ነዚ ስራሕ ካብ ዝምዘዝ ፣ ኣብ ኩነታት ሰባኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝነኣሰ’ዉን ይዂን ምምሕያሽ ክርኢ ከምዘይበቕዐ ዘተሓሳሰበ እቲ ሱዳናዊ፣ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንዘሎ ኩነታት ከጽንዕን ኽከታተልን ዘቕርቦም ዘሎ ጠለባት ገና ብዘይመልሲ ይተርፉ ምህላዎም ኣረዲኡ።
ኣብ’ቲ ፈላሚ ኣኼባ ፣ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ከምኡ’ዉን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ትካላት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝምዝገብ ዘሎ ግህሰት ደዉ ክብልን ንምምሕያሹ ጻዕርታት ኽካየድን ተረርቲ መጸዋዕታታትን ምሕጽንታታትን ከስምዓ ዉዒለን።

ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን በቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት ዘለወን ሻቕሎት ብምጥቃስ፣ ንምግታኡ ጻዕርታት ክዛይድን፡ ፍሉይ ተኸታተሊ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኤርትራ ኪኣቱ ክፍቀደሉን ጸዊዐን ኣለዋ።
ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ሰነድ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምቕራቡ ይዝከር።

እቲ እዋናዊ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲን መስወርቲን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ምስ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ዘመሓየሾ ነገር ከምዘየለ እዩ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጽብ ብዘይፍለ ሓቢሩ።

ህግደፍ ፣ ዓመታዊ ንዝቐርቡ ጸብጻባት እቲ ተኸታታሊ ኣካል ፣ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቅታት ዘንጸባርቚ ኣይኮኑን ካብ ምባል ሓሊፉ ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ የመዝግብ ከምዘሎ ዘረጋግጹ ኣብነታት ከቕርብን ኣይረአን።

ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኻልኣይ እብረ ኣባልነት ሒዛ ንዘላ ኤርትራ ዝመርሕ ህግደፍ ፣ በቲ ባይቶ ንዝተመዘዘ ፍሉይ ኣካል ናብ ሃገር ኣትዩ ኸይምርምር ከልኪሉ ከይኣክል፣ ኣብ ልዕሊ ዘይደሞክራስያዉያን ስርዓታት ዝተፈላለያ ሃገራት በቲ ባይቶ ንዝዉሰኑ ዉሳኔታት ኣብ ምቅዋም እዉን ብመሪሕነት ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።