ናብ ኢትዮጵያ ደዉ ኣቢልዎ ዘሎ ምብጻሕ ረድኤት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ዳግማይ ክጅምር ከምዝኽእል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ ኣሎ።
ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ትካል ብ19 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ትካሉ ንምሕደራ ምቕርሐ ረድኤትን፡ ምልላይ ተጸበይቱን ብዝምልከት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዝልዕል ስልጣን ክህልዎ እንተተፈቒድሉ ፣ ኣብ መፋርቕ ዝመጽ ወርሒ ሓምለ ናብ ንጡፍ ስራሑ ክምለስ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣቐዲሙ ንምሕደራ ምቕርሐ ረድኤትን ረድኤት ቀዳምነት ንመን ይግብኦን ዝብሉ ቅጺ ሓላፍነታት ብሰብስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕብለሉ ምጽንሖም ይንገር።
ረድኤት ይስረቕን ናብ ዘይመዓላኡ ይዉዕልን ኣሎ ብዝብል ናብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታቱ ደዉ ዘበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፣ ኣብዚ ወርሒ እዚ ናብ መላእ ኢትዮጵያ ዘብጽሖ ረድኢት ደዉ ከብል ምዉሳኑ ኣይርሳዕን ። ኣብ’ታ ሃገር ንዝበዝሐ ሰብኣዊ ረድኢት ከምዝቕርብ ዝነገረሉ USAID እዉን ኣብ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ወፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሕድሕድን ሰሪቱ ዘሎ ሕሱም ደርቂን ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ምህላዉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ን 6 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ከባጽሕ ምጽንሑ እዩ ዝሕብር።
ምክትል ዋና ዳይረክተር ምምዕባል ፖሊሲን ፕሮግራምን እቲ ትካል ቫለሪ ጓርነሪ ከምዝገለጸቶ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤትት ንመን ከምዝብጽሖ ኣብ ምዉሳን ዝጸንሖም ልዑል ስልጣን ኪጎድልን ፣ ኣቲ ትካልን መሻርኽቱን ኣብቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ጽልዋ ሃልዩዎም ተጸበይቲ ረድኤት ኣብ ምልላይ ዝለዓለ እጃም ኪህልዎ ከምዝደሊ ትጠቅስ።
እዚ ድሌት እዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እወታዊ ግብረመልሲ እንተረኺቡ ፣ ትካላ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልል ትግራይን መዓስከራት ስደተኛታት ረድኢት ምስዳድ ክጅምር ከምዝኽእል እዉን ተረድእ። ንሳ ወሲኻ ብዛዕባ እቲ ሰሪቱ ዝበሃል ዘሎ ስርቂን ምጥፍፋእን ረድኤት ዝሕተት ወገን መን ምዃኑ ንምንጻር ንዝኸይድ ዘሎ ምርመራ ይጽበዩ ምህላዎም ኣገንዚባ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ተኻዪዱ ዝበሃል ስርቂ ግቡእ ምጽራይ ተኻዪድሉ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ሃገራዊ ምጽራይ ከካይድ ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብታ ክልል ንዘሎ ስርቂ ረድኢት ንምጽራይ ዘጣየሳ ጉጅለ እዉን ብ15 ሰነ መባእታዊ ጸብጻብ ስራሓ ኣቕሪባ እያ።
እታ ጉጅለ ኣብ ጸብጻባ፡ በቲ ስርቂ ዝሕተቱ ኩሎም ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኪሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ምዃኖም ጠቒሳ፣ በቲ ገብን ተሓተቲ ምዃኖም ዛጊት ተለልዮም ካብ ዘለዉ 186 ሰባት ድሮ ሸዉዓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ፍርዳዊ መስርሕ ይሓልፉ ምህላዎም ሓቢራ ኔራ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብUSAID ጸኒሑ ድማ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተወስደ ረድኤት ናይ ምቊራጽ ስጒምቲ ካልእ መዘዝ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ዉሳኔ ፈልዩ ከምዘይርዮ ኣተሓሳሲቡ እዩ።