ህዝብና ድሕሪ ቅንያት መዓልታት ናጻነትን ሰማእታትን፡ ሕጂዉን ናብ ናይ ቀደም ሕሰም መነባብሮኡ ተመሊሱ ዓመት መመላእታ ኪርሳዕ እዩ።

ብህዝቢ ንዝመጽአት ነጻነትን ንዝተኸፍለ መስዋእትነትን እንዳቋሸሸ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኮይኑ ዘሳቒ ዘሎ ህግደፍ ፣ ክሳዕ ዝመጽእ ወርሓት ግንቦተ ሰነ ከም ልሙድ መነባብሮ ህዝቢ ከሕስም፣ ዜጋታት ብኣልማማ ኪገፍፍን ኪኣስርን እዩ ።

ክሳብ ግንቦተ ሰነ ናይ ዝመጽእ 2024 ቀረብ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ከም ልሙድ ስሕዮም ኪቕጽሉ፣ ህዝብና ኩሉዓይነታዊ መሰላቱ ክርሳዕ ፣ ስደትን ወረ ስደትን ድማ ኪገንን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ውሑዳት ዘይኮኑ ዜጋታትና ኣብ ግንቦተ ሰነ ንሓቀኛ ምስሊ ህግደፍ ፈጺሞም ከምዝርስዕዎ ይፍለጥ። ኣብ ግንቦተ ሰነ ዝጭርሑ ልሙዳት መብጸዓታት ግን ንሕሱም ኣካይዳታት ህግደፍ ከመሓይሹ ተራእዮም ኣይፈልጡን።

ን32 ግንቦታትን ሰነታትን ብህግደፍ ዝተኣትዉሉ መብጸዓታት ኣብ ባይታ ንጣር ምምሕያሽ ኣምጽዮም እንተኾይኖም ህዝቢ ባዕሉ ክምስክር ዘጸግሞ ኣይኮነን።
ኩሉ ኤርትራ ብኩሉዓይነታዊ መስዋእቱ ንዘምጽኦ ነጻነትን ልኣላዉነትን ሃገሩ ክጽንብልን ሰማእታቱ ኪዝክርን ዜግነታዊ ሓለፍነቱ ምዃኑ ፍሉጥ ኮይኑ፣ ነዚ ነጻነትን ልኣላዉነትን ምስ ኩሎም ሕድርታት ሰማእትና ሰሪቚ ንህዝብና ኣብ ዝተራቐቐ መግዛእቲ ዳጒኑ እታ ዝነኣሰት ነጻነት እኳ ከሊኡ ምስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኴንካ ዝጽንበል ናጽነትን ዝትዝከር መስዋእቲ ጀጋኑናን ግን ዝዓበየ ሃገራዊ ክድዓት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ኹሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እንዳፈለጠ ኣብ ዳሳት ህግደፍ ክድብል ዝቐነየ ኤርትራዊ ነባሪ ስደት ፣ ድሮ ናብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ተመሊሱ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሩ ፍታሕ ተሳኢንዎ ዘሎ ሕሰም ህዝቡ ብዉሽጢ ካብ ምምራር ከዕርፍ ከምዘይኮነ ወኪላት ኤሪሳት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓቢሮም እዮም።
ንኹሎም ዕላማታት ኤርትራዊ ገድሊ ቀቲሉ ሃገር መበል 32 ዓመታት ዘቤታዊ ጭቈናኣ ክትፈቅድ ጌሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብፍጹም ንነጻነት ኤርትራ ክዉክል ከምዘይክእል ፣ እቶም ንነጻነትን ልኣላዉነትን ኤርትራ ምስ ህግደፍ ብዘለካ ምድንጋጽ ጥራይ ዘዛምድዎ ወገናት ድማ ኣብ ግጉይ መንገዲ ምህላዎም ኪፈልጡ ይግባእ።

ንልኣላዉነት፣ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ሸሚሙ ንዘሎ ጉጅል ምድጋፍካ ዝግዘመካ ናይ ሓሶት ሃገራዉነት ጽባሕ ንግሆ ዋጋ ከኽፍለካ ከምዝኾነ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኮይኑ፣ እቶም ንህግደፍ ስለዝደገፉ ሓለፋ ሃገራዉያን ኮይኑ ዝስምዖም ዘሎ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሕሰምን መከራን ህዝቦም ዝድብሉ ዘለዉ ወገናት ጽባሕ ገዚፍ ዕዳ ክጽበዮም እዩ።