ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ብህግደፍ ተገዲዱ ልዕሊ ኢትዮጵያዉያን ዝተዳመየሉ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ እንታይ ከሲቡ ኢሉ ዝሓትት እንኮ ወገን ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጥራይ ከምዝኾነ ምንጭታት ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።

ኣሽሓት ነኣሽቱ መንሰያትና ኣብ ኲናት ጓኖት ጠፊኦም ኣሽሓት ካልኦት ድማ ሰንኪሎም ምህላዎም ብቐረባ ዝፈልጥ እቲ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘሎ ዜጋ ጥራይ ምዃኑ ዘገንዘቡ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ክሳራ እዚ ፣ ከምቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ዝብልዎ “ ንህወሓት ንምጥፋእ” ጥራይ ከምዘይነበረን ኪንዮ ህወሓት ዝኸይድ ሓለዋ ኢትዮጵያ ብዋጋ ህይወት ኤርትራዉያን ምንባሩን ; ሰራዊት ኤርትራ ኣጸቢቑ ተጋሂድሉ ከምዘሎ ይኣምኑ።

ጉጅለ ህግደፍ፣ ንኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንህወሓት ንምድቓቕ ከምእተሳተፎ ዝምጉት እኳ እንተኾነ፣ እቲ ሓቂ ንሱ ኣንተዝኸዉን ፣ ህወሓት ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ምግባር ዓቕሚ ወዲቚ እንዳሃለወ ፡ መራሒ ህግደፍ ገና ንዝሓየለ ተጻብኦ መኸተና ከነሐይል ኢና ዝብል ተስፋ ዘቚርጽ መግለጺታት ኣይምደጋገመን።

ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከህልቘ ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ፣ መቐጸልታ ናይቲ ንሃገርን ህዝቢን ኣብ ቀጸለቲ ግጭታትን ስግኣታትን ሸሚምካ ንስልጣኑ ዝሻሞ ሓይሊ ወይ ባይታ ከይህሉ ምርግጋጽ ዝብል ዕላማኡ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክብእስ መሪሕ ተራ ዝተጻወተሉ ኲናት ሕድሕድ፡ ኣብ ምድቓቕን ምብታንን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኪጥቀመሉ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።
ዓሰርተታት ሚልዮናት ኣህዛብ በብክልላቶም ኣብ ዝራጸሙላ ኢትዮጵያ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ኽግደድ ዝጸንሐ ህላዌን ተራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዕላማኡ ንጹርን ዘይከሓድን ኮይኑ ፡ ንሱ ድማ ነቲ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኪሕሉን ከውሕስን ዝዕማሙ ኤርትራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ዘይውዳእ ሓዊ ክልላት ኢትዮጵያ ኣድኪምካ፡ ኤርትራ ብዘይ ውሕስነት ክተርፍን ንባዕላዊ ድሌታት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምችእቲ ክትኸዉንን ጥራይ እዩ።