ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ሓበሬታ ተዓጺዩዎ ዘሎ ህዝብና ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስደት ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲን ብዛዕባ እቶም ነቲ ቃልሲ ዘቃንዑ ዘለዉ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን እኹል ኣፍልጦ ኪህልዎ ምግባር፡ ማእከላይ ዕላማ ተለቪዥን ኤሪሳት ምዃኑ ዳግማይ ተሓቢሩ።

ኣባላት ኤሪሳት ደጊሞም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መተሓሳሰቢ፣ ኤሪሳት ዝነቐለትሉ ዕላማ ፡ ነቶም ብዝመረጽዎ ሸነኽ ፖለቲካዊ ንቕሎን እምንቶን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓተ ምልኪ ንምእላይ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ደቂ-ሃገር ምስ ህዝቢ ንምቅርራብ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ህዝቢ ብዛዕባ እቶም ተቓለስቲን ዕላማታቶምን ንጹር መረዳእታ ወኒኑ ኣየናይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ሰልፊ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዝሓሸ ተቐባልነት ከምዝህልዎ ኪግምት ንምኽኣል እዉን ከምዝኾነ ኣዘኻኪሮም።

ህዝቢ ፡ ኣብ ስደት ዝጽዕታ ዘለዋ ፖለቲካዉያንን በርጌሳዉያንን ኣካላት ዕላማአን፣ እምንቶአን፡ ራኢአን፡ ስነልቦና መራሕነትን ከምኡ’ዉን ድኻማተንን ብልጫታተንን ብኣጋኡ ኪፈልጥ መሰል ከምዘለዎ ዘተሓሳሰቡ እቶምን ኣባላት፡ ኤሪሳት ነዚ መሰል እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኽትከልኦ እንተተራእያ፣ ካብ ኣካይዳታት ናይ መሓዉራት ዜና ህግደፍ ዘፍሊ ከምዘይህልዋ ኣገንዚቦም።

ሓደ ፖለቲካዊ ይዂን በርጌሳዊ ወገን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መጽዩ ዕላማኡን ራኢኡን ከነጽር ግዴታኡ ከምዝኾነ ፣ እዚ ኣብ ዉሽጢ’ታ ብሓደ መላኺ እትግዛእ ዘላ ኤርትራ ፍቚድ ብዘይምዃኑ፣ ኤሪሳት ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ትማወትን ፣ ህዝቢ ምስ’ቶም ንህዝቢ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ሓይልታት ዝላለየሉ መድረኽ ንምድልዳል ትደክምን ኣላ።

ድሕሪ ምእላይ ምልኪ ፣ ህዝብና ዝጠቕምዎ ፖለቲካዉያን ወገናት ይዂን ፖለቲከኛታት ፈሊጡ ክጸንሕ ምግባር ፣ ተለቭዥን ኤሪሳት ከይተሓለለት ትሰርሕ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኤሪሳት ናብ መድረኻ እተቕርቦም ፖለቲከኛታት ይኹኑ ተቓለስቲ ፡ ምስኦም ናይ ጸቢብ ረብሓን ስነሓሳብን ምትእስሳር ስለዘለዋ ዘይኮነ፣ ህዝብና ብዛዕባ እንታይነትን ዕላማን እቶም ተቓለስቲ ንጹር ስእሊ ሒዙ ክጸንሕ ኣለዎ ኢላ ስለእትኣምን ጥራይ ምዃኑ እቶም ኣባላት ዳግማይ ኣዘኻኺሮም።