ስድራቤት ግዳያት ናይታ ኣብ ማያት ግሪኽ ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣሳፊራ ዝጠሓለት ንእሽቶ መረከብ ንጠንቂ ሓደጋኣን ኣብ ምድሓን ህይወት ተራእዩ ኪኸዉን ዝኽእል ሸለልትነትን ብዝምልከት ጽኑዕ መርመራ ኪካየድ ይጽውዑ ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት እዉን ተመሳሳሊ ጻዉዒት ገይሩ ኣሎ።

ካብቲ ሓድጋ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ድሒኖም ሬሳ ናይ ከባቢ 80 ግዳያት ከኣ ተኣኪቡ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፣ ናይ ዝተረፉ ልዕሊ 500 ካልኦት ደሃይ ግን ዛጊት ኣይተረኽበን ዘሎ። ሰብ መዚ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ እታ ጃልባ ናብ ጥልያን ተምርሕ ኣላ ኢሎም ብምሕሳብ ዕቱብ ኣመት ከምዘገበሩ ክሕብሩ እንከለዉ፣ ኣብ ምግታኣ እቲ ሓደጋን ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰርሑን ካብ ስደተኛታት ንዝመጽእ ዝነበረ ናይ ርድኡና ኣዉያት ኣብ እዋኑ ክምልሱ ከምዘይተራእዩን እዩ ክስታት ዝስማዕ ዘሎ።

እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም 10ይ መዓልቲ ተበጺሑ ብምህላዉ ፣ እቶም ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ካልኦት ብሂወት ክጸንሑ ይኽሉ እዮም ንዝብል ተስፋ ኣቕሂምዎ ከምዘሎ እዮም ኣብ ስርሒታት ምድሓንን ምንዳይን ህይወት ሰደተኛታት ወፊሮም ዝርከቡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ዝዛረቡ።
እታ ሓደጋ ዝገጠማ ጃልባ ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ናብ ጥልያን ተምርሕ ኣብ ዝነበረትሉ ብማዕበል ተደፊኣ ኣብ ማያት ግሪኽ ምጥሓላ ተሓቢሩ እዩ።

ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ መንእሰያት ምንባሮም እዉን ይንገር።ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 26,950 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኑንን ደሃዮም ከምዝጠፍአን እዩ ዝፍለጥ።