ንሳልስቲ ዝቐነየ ምቚራጽ ትጻብኦ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ብ21 ሰነ ኣብ ዝዛዘመሉ ሻቡ ጽዑቕ ኲናት ከምእተወልዐ ተሓቢሩ።
እቶም ሓይልታት ኣብ ከተማታት ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ባሕሪን ከይጸንሑ ኣብ ጽዑቕ ግጭት ከምዝኣተዉ እዩ ዝንገር ዘሎ። እቲ ናይ ሳልስቲ ምቊራጽ ተጻብኦ ከም ዝሓለፉ ስምምዓት ሓያለ ጥሕሰት ከምተመዝገቦ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ እቶም ተራጸምቲ በዚ ዝኸድዎ ዘለዉ ናይ ምትፍናን መንፈስ ንሰላማዊ ዘተ ዝኸዉን ግዜን ባይታን ይጸብብ ምህላዉ የተሓሳስቡ።
በቲ ኣብ ሱዳን ናብ ሳልሳይ ወርሑ ዝኣቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3,000 ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ 6,000 ካልኦት ድማ ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። በቲ ኲናት ድሮ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ፡ ካብዚ ድማ እቲ ሓደ ርብዒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርሒቚ ምህላዉ እዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
በቲ ኣብ ካባቢታት ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣመና ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ስዒቡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ተቕቲሉ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ምህዳሞም ይንገር።
ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።
ኢጋድ ኣብቲ ኲናት ሱዳን ንኽፈትሕ ኢሉ ኣቚምዎ ዘሎ ብኣርባዕተ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ዝምእዘን ጉጅለ ፣ መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከም ኣቦመንበር ኮይኑ ኪነጥፍ ንዝቐረበ ሓሳብ ፣ ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ከምዘይቅበሎ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ እዩ። ዝሓለፈ 12 ሰነ ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራቱ ዘቃንዐ እቲ ዉድብ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ንምሽምጋል መዚዝዎ ንዝጸንሐ መራሒ ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መራሒ ኬንያ ኪሕወሶም ኣብ ዉሳኔ ምብጻሑ ይንገር።
ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ናብ’ቲ ኮሊፎሞ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሓጺር እዋን ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ኩነታት እታ ሃገር ብቐሊሉ መምለሲ ኪርከቦ ናብ ዘይክእል ዉድቀት ኪሽመም ምዃኑ እዮም ንእዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ሱዳን ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ዘተሓሳስቡ።