ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲሞም ዝዉሕስሉ ቦታ ኣብ ምርካብ ዝጽገሙ ዘለዉ ዜጋታትና ፣ ሽግሮም ኣድህቦን ፍታሕን ማሕበረሰብ ዓለም ንኽረክብ ኩሉ ሃገራዊ ኪሕለቕ ምንጭታት ካብ ኢትዮጵያ ሓቢሮም።
ንሶም ነዚ ዝሓበሩ ፣ በብበይኑ ሸነኻት ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምስ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ተመሳኺኖምን ብላዕ ቀሪቦምን ናብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ከምርሑ ኣዉተቡሳት ዝኮናተሩ ዜጋታትና ፡ ኣብ ጉዕዞ ይጭወዩን ይስወሩን ምህላዎም ድሕሪ ምርግጋጾም እዩ።
ካብ ሱዳን ብመንገዲ መተማ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝህቅኑ ኤርትራዉያን ተፈናቐልቲ ካብ ኤምባሲኹም ናይ ዉሕስና ፍቓድ ኣይመጸኣናን እንዳተባህሉ ብኣባላት ጸጥታ ይጓነዩን ኣብ ቃልዕ ይድርበዩን ምህላዎም ብቐጻሊ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ። ናብ ደቡብ ሱዳን ዘምርሑ ወገናትና እዉን ካብቲ ናይ ኢትዮጵያ ብዘይፍለ ኣብ ዶባትን መዓርፎ ነፈርቲን ይዕገቱን ይጓነዩን ኣለዉ።
ኲናት ጽዒቅሉ ካብ ዘሎ ማእከላይ ከባቢ ሱዳን ንምርሓቕ ናብ ከሰላ ዘብሉ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እዉን ግዳይ ናይቲ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን ሰብሰልጣን ዞባ ከሰላን ዘሎ ናይ ረብሓ መርበብ ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ። ህግደፍ ነቶም ናብ ከሰላ ኪዕቈቡ መጽዩም፣ ካብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብግዲ ዝቕበሎም ዘሎ ኤርትራዉያን ከም ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኣምሲሉ ኪዛረብ ዝተሰምዐ ኮይኑ፣ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዝበሃሉ ዜጋታትና ኣብ ከተማ ተሰነይ ከባቢ ኣደርሰር ኣብ ዝረከብ ቤትማእሰርቲ ምህላዎም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣቃሊዖም እዮም።
ብዘይካዚ ነቲ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ዞባ ከሰላ ብሓፈሻ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ወዲሸሪፈይ ከኣ ብፍላይ ዝግዕዝ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተዓዘበ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ብከዉሊ ሰራዊት ሰዲዱ ነቶም ስደተኛታት ብግዲ ጽዒንካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ወፍሪ ይቕጽሎ ኣሎ።
ሓያለ ካብ ሱዳን ናብ ከም ደቡብ-ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ከብሉ ዝደልዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፣ ብኣሰጋገርቲ ልዑል መጠን ገንዘብ እንዳተሓተቱ ከይኣክል ካብ ሰብመዚ ኢሚግሬሽንን ሓለዋ ዶባትን እተን ሃገራት ተወሳኺ ምዝመዛ ይገጥሞም ከምዘሎ ብቐጻሊ ክንሕብር ምጽናሕና ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ሃገራዊ ብጸገም ናይዞም ኣብ ዉሽጢ ሱዳንን ዶባት ጎረባብቲ እታ ሃገርን ዝጋፍዑ ዘለዉ ኣሕዋቶም ኪሕለቚ ደጊምና ንጽዉዕ።