ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢታት ሳዕል ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እምባልቆ፡ ልዕሊ 300 ዜጋታትና ገና ኣብ መሪር ስቓይ ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብ’ቲ ብኽልተ ሓይሊ ዝሕሎ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ፣ ካብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ኢትይጵያ ዝተጨውዩ፣ ካብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣፍዓበት ተኣሲሮም ዝመጹ ሶማላውያን፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝባዊ ስራዊትን፣ ካብ ሚኒስትሪታት መንግስቲ፣ ካብ ሱዳን ዝመጹ ሲቪልን ካልኦትን ዝርከብሉ እዩ።

ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ብሰንኪ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ፡ ጥምየትን ጉድለት ጽሬትን፡ እሱራት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ኪቃልዑ ከምዝረኣዩ ፣ ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 6 ዓመታት ጥራይ 11 እሱራት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ እዩ። ኣብ ማእሰርቲ ዝሞቱ ግዳያት ዝቕበርሉ ቀጽሪ ዝዉንን እቲ ቤት-ማእሰርቲ ፣ 10 ካብ’ቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ 11 እሱራት ኣብ’ቲ ቀጽሪ ኪቕበሩ እንከለዉ ፣ እቲ ዝተረፈ ሓደ ግን ሰራሕተኛ ሆቴል ኣፖሎ ኣብ ናቕፋ ዝነበረ ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝነብሩ ሬስኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2018 ንስድራቤቱ ከምእተረከበ ሓቢርና ኔርና።

ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ 2015 ዝተኣስራ ዝርከብአን 6 ደቂኣንስትዮ ስቓይ የሕልፋ ከምዘለዋ፣ ብዘይካ’ዚ ንልዕሊ 7 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ሓታቲ ተታሒዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሽዱሽተ ሽማግለታት ነበርቲ ናቕፋ ምህላዎም ይንገር።

ቤት ማእሰርቲ እምባልቆ፡ ኣቐዲሙ መዓስከር ክፍሊ ስለያ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረን ካብ 2006 ጀሚሩ ዛጊት በቲ ክፍሊ ዝመሓደር ዘሎን ኮይኑ፣ በብእዋኑ ብጉልበት እሱራት ክህነጽ ብዝጸንሐ ናይ ትሕቲ መሬት ጎዳጉዲ/ ኣንደራት ኣዝዩ ስለዝሰፍሐ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ዓቢይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይሩ ይርከብ።