“ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዕለታዊ ንዝፈርዩ ዓሰርተታት ሓጸርቲን ተኸታተልቲን ፊልምታት ከምኡ’ዉን ደርፍታት ዝገብሮ ዘሎ ልዑል ገንዘባዊ ዱጎማ ብዝሓየለን ዝተወደበን ምነገዲ ይቕጽል ኣሎ።
ዕላማ ናይቶም ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ናይ ዩቱብ መስመራት ዝራብሑ ዘለዉ ፊልምታትን ደርፍታትን፣ ስነጥበባዊ ትሕዞ ሃገርና ንምሕያል ዘይኮነ፣ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ካብ ሓቀኛ ሃገራዊ ዛዕባ ኣርሒቚ ብ ኣሀልወስትን ኣካታዕትን ስራሓት ክጽሎን ክዕዘምን ንምግባር ምዃኑ ሓቢርና ኢና።
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ዝበልዖን ዝሰትዮን ስኢኑ ተጣሪዑ እንዳሃለወ ፣ ሃገር ኣብ ጽጋብን ፈንጠንዝያን ከምዘላ ከእምኑ ዝፍትኑ ኪነታዊን ድራማዊን ስራሓት ብብዝሒ ክፈርዮ ምትብባዕ ፡ ህግደፍ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ገይሩ ልዑል ገንዘባዊ ደገፍ ሰሪዕሉ ዘሎ መደብ ኾይኑ፣ እቲ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ንምትላል፣ ንምስዳዕን ንምግምማዕን ተሰሊዑ ዝሽረፍ ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ሸመተ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ናይ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ይወፍር እንትዝህሉ ግን መነባብሮ ዝበዝሐ ሓፍሽ ክቕየር ምተራእየ።
ናይ ምልኪ ስርዓታት፡ ምሕደራዊ ዉድቀቶምን ጭቆና’ቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ዜጋን ንምሕባእ፣ ንስነጥበብ ከም ዝዓበየ ፖለቲካዊ መሳርሒ ወሲዶም ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ክስልዕሉ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ።
ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ብተደጋጋሚ ኪሕብርዎ ከምዝጸንሑ ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሓፈሻዊ ገምጋም – ዕለታዊ ልዕሊ 25 ስነጥበባዊ ስረሓት ኣብ ሃገር ተሰሪሖም ብመንገዲ ናይ ዩቱብ መሰመራት ናብ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ከምዝበጽሑ ጠቒሶም፣ ዝበዝሑ ካብቶም ፍርያት ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ይትረፍ ኢንተርነት መብራህቲ እዉን ዘይብሉ ህዝብና ከምዘይምልከቶ የገንዝቡ።