ህግደፍ ኣብ ዝመጽኣ ሒደት ዓመታት ኣብ ሃገራት ስግር ባሕሪ ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብ ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ኤርትራዊ ዝነበሮ ጽልዋን ኪዳኸም ከምዝኽእል ይግምት ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣቃሊዖም።
እቲ ግምትን ግንዛቤን ካብ ክልተ ገዘፍቲ ረቛሕቲ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት ፣ እቲ ቀዳማይ ኣብተን ሃገራት ዝሕይል ዘሎ ዝተወደበ ምንቅስቓሳት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪኸዉን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ዛዪዱ ዘሎ ጽለኣት ማሕበረሰብ ዓለም ምዃኖም የረድኡ።
ኣብ ሃገራት ምዕራብ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ’ቲ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝርከቦ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኩሉዓይነታዊ ምንቅስቓሳት ህግደፍ ዝሕይል ዘሎ ተቛዉሞታት ኣቓልቦ መንግስታት እታ ኣህጉር እንዳወነነ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ህግደፍ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝጸንሖ ባይታን ጽልዋን ዝግዘፈ ሽነኹ ኪኸስሮ ምዃኑ ገምጊሙ ኣሎ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ጻንሖቱ ኣብ ስልጣን ንምዉሓስ ምስ ሩስያን ቻይናን ዘራጒዶ ዘሎ ምሕዝነት ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ዝወሰዶ ቅሉዕ መርገጺ ንሓያለ ሃገራት ምዕራብ ኣቘጢዑ ብምህላዉ፣ ጉጅለኡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ወኒንዎ ዝጸንሐ ድልዱል መሓዉር ኪኸስሮ ምዃኑ ተረዲኡ ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዘብርሁ።
መንግስታት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገሮም ዝነጥፉ መሓዉራትን ደገፍቲን ህግደፍ ኣሉታዊ ኣጠማምታ እንዳማዕበሉ ይመጽኡ ምህላዎም ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ዉዳቤኦም ኣሐዪሎም ንዘይሕጋዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕን ምዕንቃጽን በርቲዖም ብምህላዎም ፣ ህግደፍ ስክፍታታቱ ናብ ስግኣት ምቃረቡ ምህላዎም ሓቢሮም ኣለዉ።