ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝቕጽል ዘሎ ኣልማሚ ማእሰርቲን ፣ ጀሚሩ ዝበሃል ዘሎ ግዱድ መጥረዝትን ሻቕሎቱ ይዛይድ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝገለጸ፡ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ልዕል 200 ኤርትራዉያን ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ብግዲ ክምለሱ ተገይሩ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምስማዑ እዩ።
ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይምርምሮን ተመሳሳሊ ጌጋ ከይድገም ምስ ዝምልከቶም ወገናት ይዘራረብን ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ኮሚሽን ፣ ኢትዮጵያ ንመትከላትን ውዕላትን መሰላት ስደተኛታት ኪትግዛእ ተላብዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ እሙናት ምንጭታት ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ኣዲስ ኣበባ ገፊፉ ዝኣሰሮም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ኢድ ህግደፍ ንምርካቦም ናብ ከባቢ ባዳ ኣግዒዝዎም ከምዝቐነየ እዩ።

ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪዛይድ ብዝጸንሐ ጥርዓናት ተደሪኹ መጽናዕቲ ከካይድ ዝሓገየ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ጸብጺቡ ነይሩ።

እቲ ኮሚሽን ብ 2 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ናይ ስደተኛ ሰነድ ከምኡ’ውን ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኤርትራዉያን ፣ ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ንዉሕ ዝበለ መዓልታት ይቕየዱ ምህላዎም ምዕዛቡ ይጠቅስ።

ንድሕነት ስደተኛታት ኪጽዕታ ዝግበአን መንግስታዉያን ይዂና ኣህጉራዉያን ኣካላት ፣ ማለት ከም ARRAን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ፣ ሰነዳዊ ውሕስነት ስደተኛታት ኣብ ምኩዋን ርኡይ ምምሕዳራዊ ድኻማት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ግቡእ ወረቃቕቲ ስኢኖም ግዳይ ዘይተደልየ ማእሰርቲን በደልን ይኾኑ ከምዘለዉ መስኪሩ እዩ።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ብህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኣጠማምታ ይዛይድ ከምዘሎ ፣ ስለዝኾነ ድማ እቶም ኤርትራዉያን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙን ንሕግታት እታ ሃገር ብምኽባር ፍኑው ካብ ዝኾነ ኣካይዳታት ኪቚጠቡን ከምዘለዎም ብሓያለ ወገናት ጻዉዒታት ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

ገለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ይደፍሩ ከምዘለዉ ፣ ብተዘዋዋሪ መንጊ ድማ ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ምህላዉ እዩ ዝንገር። እንተኾነ፣ እቶም ኤርትራዉያን ካብዚ ርድኢት እዚ ግልል ኢሎም ብጥንቃቐ ክናበሩ የድሊዮም ኣሎ።