ምስቶም ናብ ሃገሮም ብግዲ ተመሊሶም ዝተባህሉ ኤርትራዉያን ዝኾነ ስደተኛ ይኹን ሓታቲ ዑቕባ ከምዘይነበረ፡ ኢትዮጵያዊ ክፍሊ ኣገልግሎት ንተመላሶን ስደተኛታትን ማለት RRS ሓቢሩ።
እቲ ክፍሊ ከም ግብረመልሲ ናይ’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ብ25 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኮሚሽን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ይወርድ ኣሎ ዝበሃል በደላት ኪሻቐል ግቡእ እኳ እንተኾነ፣ RSS ግን ድሕነት ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ምርግጋጽ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
RSS ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን በደላት ከይበጽሕ ንዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ምንቃሕ ይጽዕትን ቀጻሊ ይጉስጒስን ምህላዉ ብምዝኽኻር፣ ምስቶም ናብ ኤርትራ ዚምለሱ ዝነበሩ ወገናት ብጌጋ ዝተሓወሱ 4 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ሻቡ ብምልላይ ካብ ሓደጋ ከምዘድሓነ ገሊጹ ኣሎ።
RSS ነቲ መግለጺ ድሕሪ ምዉጻኡ፣ ሓላፊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቦ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ በቲ ክፍሊ ስደተኛታትን ተመላሶን ዝተዋህበ ግብረመልሲ ዕግበቱ ብምንጻር ኣመስጊኑ ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝቕጽል ዘሎ ኣልማሚ ማእሰርቲን ፣ ጀሚሩ ዝበሃል ዘሎ ግዱድ መጥረዝቲን ሻቕሎቱ ይዛይድ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ ብዛዕባ ኣቲ ጉዳይ የጽንዕ ምህላዉ ብወግዒ ገሊጹ እዩ። እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝገለጸ፡ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ልዕል 200 ኤርትራዉያን ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ብግዲ ክምለሱ ተገይሩ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምስማዑ እዩ።
ካብ ዝተፈላለዩ እሙናት ምንጭታት ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ኣዲስ ኣበባ ገፊፉ ዝኣሰሮም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ኢድ ህግደፍ ንምርካቦም ናብ ከባቢ ባዳ ኣግዒዝዎም ከምዝቐነየ እዩ ዝንገር ።
ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪዛይድ ብዝጸንሐ ጥርዓናት ተደሪኹ መጽናዕቲ ከካይድ ዝሓገየ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ጸብጺቡ ነይሩ።
ንድሕነት ስደተኛታት ኪጽዕታ ዝግበአን መንግስታዉያን ይዂና ኣህጉራዉያን ኣካላት ፣ ማለት ከም ARRAን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ፣ ሰነዳዊ ውሕስነት ስደተኛታት ኣብ ምኩዋን ርኡይ ምምሕዳራዊ ድኻማት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ግቡእ ወረቃቕቲ ስኢኖም ግዳይ ዘይተደልየ ማእሰርቲን በደልን ይኾኑ ከምዘለዉ መስኪሩ እዩ።
ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ብህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኣጠማምታ ይዛይድ ከምዘሎ ፣ ስለዝኾነ ድማ እቶም ኤርትራዉያን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙን ንሕግታት እታ ሃገር ብምኽባር ፍኑው ካብ ዝኾነ ኣካይዳታት ኪቚጠቡን ከምዘለዎም ብሓያለ ወገናት ጻዉዒታት ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።
ገለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ይደፍሩ ከምዘለዉ ፣ ብተዘዋዋሪ መንጊ ድማ ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።
ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ምህላዉ እዩ ዝንገር። እንተኾነ፣ እቶም ኤርትራዉያን ካብዚ ርድኢት እዚ ግልል ኢሎም ብጥንቃቐ ክናበሩ የድሊዮም ኣሎ።