ሰብ መዚ ግሪኽ ነቲ ኣብ ማያት እታ ሃገር ዘጓነፈ ህልቂት ስደተኛታት ኪምርመር ዝቐረበ ጻዉዒት ዕሽሽ ከምዝበልዎ ተሓቢሩ። እዚ ዝተሓበረ ፣ ግሪኽ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ንምሕጋዝ ነፋሪት ክትልእኽ ንዝቐረበ ጠለብ ምላሽ ካብ ዘይትህበሉ ሰሙን ሓሊፉ ብምህላዉ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ዉን ስድራቤት ግዳያት ናይታ ኣብ ማያት ግሪኽ ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣሳፊራ ዝጠሓለት ንእሽቶ መረከብ ፣ ንጠንቂ ሓደጋኣን ኣብ ምድሓን ህይወት ተራእዩ ኪኸዉን ዝኽእል ሸለልትነትን ብዝምልከት ጽኑዕ መርመራ ኪካየድ ይጽውዑ ምህላዎም ኣይርሳዕን።

ካብቲ ሓድጋ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ድሒኖም ሬሳ ናይ ከባቢ 80 ግዳያት ከኣ ተኣኪቡ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፣ ናይ ዝተረፉ ከባቢ ሚእቲ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ካልኦት ደሃይ ግን ዛጊት ኣይተረኽበን ዘሎ። ሰብ መዚ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኻ እታ ጃልባ ናብ ጥልያን ተምርሕ ኣላ ኢሎም ብምሕሳብ ዕቱብ ኣመት ከምዘገበሩ ክሕብሩ እንከለዉ፣ ኣብ ምግታእ እቲ ሓደጋን ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰርሑን ካብ ስደተኛታት ንዝመጽ ዝነበረ ናይ ርድኡና ኣዉያት ኣብ እዋኑ ክምልሱ ከምዘይተራእዩን እዩ ክስታት ዝስማዕ ዘሎ።

እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ካልኣይ ሰሙን ተበጺሑ ብምህላዉ ፣ እቶም ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ብሂወት ክጸንሑ ይኽሉ እዮም ንዝብል ተስፋ ቅሂሙ ከምዘሎ እዮም ኣብ ስርሒታት ምድሓንን ምንዳይን ህይወት ሰደተኛታት ወፊሮም ዝርከቡ ወገናት ዝዛረቡ።

እታ ሓደጋ ዝገጠማ ጃልባ ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ናብ ጥልያን ተምርሕ ኣብ ዝነበረትሉ ብማዕበል ተደፊኣ ኣብ ማያት ግሪኽ ምጥሓላ ተሓቢሩ እዩ። ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ መንእሰያት ምንባሮም እዉን ይንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ፣ ብ23 ሰነ እዉን ኣብ መስመር ማይ ቱኒዝያ ጥልያን 46 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሃሓላ፣ ደሃይ ናይ 37 ሰባት ጠፊኡ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ይገልጽ ኣሎ።

ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 26,950 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኑንን ደሃዮም ከምዝጠፍአን እዩ።