ህግደፍ ብመንገዲ ኣብ ስደት ዝነጥፋ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ጎስጓሱ ነቶም ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ዝኽሰቱ ዝደቐቚ ፍጻሜታት ሃይሞናታዊን ዓሌታዊን መኣዝን እንዳትሓዘ ከጋዝፎም ካብ ምፍታን ከምዘይዓረፈ ብምርዳእ ፣ ኩሉ ኣባል ደላይ ፍትሒ ዓጸፋ ኪበልሕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ ስደት ዝነጥፉ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናን ተራ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ተንቀሳቐስቲን ህግደፍ፣ ከምኡ’ዉን ወቕቲ መሪጾም ካብን ናብን ደንበ ፍትሒን ደንበ ህግደፍን ዝናጠሩ ተወላወልቲ ወነንቲ ሚድያታት ኣብ’ዚ ሓደገኛ ጎስጓስ ካብ ምዉፋር ከምዘየዕረፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣባላትን መሪሕነትን ደንበ ፍትሒ ነዚ ብዝግባእ ኣቕሊቦም ፣ ንቓልሶም ነቓዕ ከጋፍሑ ናይ ዝህቅኑ ጸወተታታት ግዳይ ካብ ምዃን ከርሕቑ ይግባእ።

ገደብ ግዜ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝመደቦ ዘይቀነዓሉ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ከይመጽእ ኣስጊዎ ንዘሎ ጻዉዒት ለዉጢ ንምቕናን፣ ዝረኸቦም ምኽንያታት ካብ ምፍብራኽን ሽርሕታት ኣብ ምጽዋድን ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ደንበ ፍትሒ ኣብ ጎደና ቃልሲ ንዝኽሰቱ ዝደቐቚ ፍጻሜታት እንዳ-ኣጫነወ ዘየለ ናይ ሃይማኖትን ቀቢላን መልክዕ ከትሕዞምን ፣ ህዝብን ንፍትሑ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቊን ድማ ኣብ ዘየገድሱ ዛዕባታት ኪጠራጠሩን ኪታረኹን ንምግባር ይጽዕትን ምህላዉ ይፍለጥ።

ቃልሲ ፍትሒ ብግቡእን ኣስራሒን ሸነኹ ዘይሓዝዎ ገለ ዜጋታት ፡ ነቶም ኣብ ደንበ ፍትሒ ዝኽሰቱ ነኣሽቱ ጌጋታት ብኸምቲ ህግደፍ ዝደልዮ ኣተረጓግማ ወሲዶም ከጓሃህሩ ክረኣዩ ጸኒሖም እዮም።
ህግደፍ ኣብ ሞንጎን ብኣባላትን ደንበ ፍትሒ እትምዝገብ ዝነኣሰት ጌጋ ብዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ከራብሓን ካልእ መልክዕ ከትሕዛን ምርኣይ ልሙድ እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣብዚ መራሒ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሓሉ ዘኽእሎ ምኽኒት ዝጽንቅቐሉ ዘሎ ግዜ፡ በዚ ልሙድ ጸወታን ሽርሕን ከይተደናገረ ቃልሱ ከሐይል ከምዘምሕረሉ እዩ ብተደጋጋሚ ኽግለጽ ጸኒሑ።