ኲናት ሱዳን ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ዳዕመል-ኣልሰሪዕ ነቶም ካብ ምዕራባዊ ዳርፉር ናብ ጫድ ዚሃድሙ ዘለዉ ሰላማዉያን ሰባት ካብ ምጥቃዕ ኪቚጠቡ ቤትጽሕፈት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ። እቲ ቤት ጽሕፈት ነዚ ዝጸወዐ ፣ እቶም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ካብ ምዕራብ ዳርፉር ናብ ጎረቤት ሃገራ ጫድ ዚሃድሙ ተመዛበልቲ ቅትለት ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ እዩ።

ካብ ምዕራብ ዳርፉር ብሓፈሻ ካብ ከባቢ ኣል-ገኔና ድማ ብፍላይ ሃዲሞም ናብ ጫድ ዝኣተዉ ሱዳናዉያን ነቲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፣ ብሓይልታት ዳዕመል ኣልሰሪዕን በቶም ሓይልታት ዝድገፉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ወገናት ቀጻሊ ግፍዕን መቕተልቲን ይወፍጸም ምህላዉ የረድኡ።

ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዓሌታዊ ድፍኢት ዘለዎ ሓድሽ ምጥቕቃዕን ህልቂትን ይቀላቐል ከምዘሎ ብሓያለ ወገናት ይግለጽ ምህላዉ ይፍለጥ። ዝተፈላለያ ተሓለቐቲ ሰብኣዊ መሰላት ፣ ባይቶ ጸጥታን ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝብእስ ዘሎ ኣሰካፊ ተርእዮ ብኣጋኡ ደዉ ንምባል ኪሰርሑ ይጽውዓ ኣለዋ። መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዛሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዉን፣ ኲናት ሱዳን ገለ ምልክታት ገበናት ምጽናት ዓሌት ክረኣዮ ጀሚሩ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

በቲ ኣብ ሱዳን ናብ ሳልሳይ ወርሑ ዝኣቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3,000 ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ 6,000 ካልኦት ድማ ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። በቲ ኲናት ድሮ ከባቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ፡ ካብዚ ድማ እቲ ሓደ ርብዒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርሒቚ ምህላዉ እዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።

በቲ ኣብ ካባቢታት ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣመና ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ስዒቡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ተቕቲሉ ልዕሊ 300 ሽሕ ካልኦት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ምህዳሞም ይንገር።