ድሕሪ 32 ዓመታት ዳግማይ ተሰሪዑ ብወግዒ ቀይሙ ዝበሃል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓዉድታት ንከባቢ ክልተ ዓመት ከሰልጥኖም ዝጸንሐ ኣባላቱ ኣመሪቑ።እቶም ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ክመሃሩ ጸኒሖም ዝተባህሉ ኣባላት ፡ ኣብ ምህንድስና፣ ዳህሳን መራኸቢታትን ባሕሪ ከምኡ’ዉን ምልጓም ኣጽዋር መራኽብ ኲናት ዝኣመሰሉ ዓውዲታት እዮም ስልጢኖም።
ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ስነስረዓት፡ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣድሚራል ጀነራል ካንዱ ገዙን ተረኺቦም ምንባሮም ኢትዮጵያዊ ማዕከን ዜና ፋና ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ መሳርዕ እቲ ቅድሚ 32 ዓመታት ንጡፍ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ዝኣረጉ መራኽብ፣ ፈጣናት ጀላቡን ኣጽዋርን ብሓገዝ ሩስያ ዘመናዊ መላጒም እንዳተሰዂዐሎም ንስራሕ ድሉዋት ይግበሩ ከምዘለዉ እዉን እቲ ማዕከን ሓበሬታ ጸብጺቡ ።
ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምጻእ ናይቲ ካብ ክዉንነት ዘርሓቚ ገዘፍቲ ጂኦፖለቲካዊ መደባት ከተግብር ይደክም ምህላዉ ዝሕመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን፡ ዳግማይ ኪቐዉም ከምተደልየ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ተወዳዳሪ ወተሃደራዊ ቊመና ኪዉንን ዝጉየየሉ ዘሎ ሓይሊ ፡ ኣበየናይ ገማግም ባሕሪ እዚ ዞባ እዩ ክዕስክር ዝብል ሕቶ ፡ ሓያለ ወገናት መልሲ ይጽበይሉ ምህላዉ ይሕበር።
ገለ ወገናት ፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጂቡቲ ወይ ኣብ ሶማል ንእሽቶ ማርሳ ኽካረ መደብ ኣለዎ ክብሉ እንከለዉ፣ ንኣካይዳታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ግን ፣ ንቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ ካብ ጂኦግራፍ ናይ ኢትዮጵያ ፈሊና ክንሪኦ ኣጸጋሚ እዩ ንዝብል ዘረባታት እቲ በዓል ስልጣን እንዳዘከረ ፣ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካልእ ሓቀነ ከምዘለዎ የተንብሁ።
ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ኣዉሒሱ ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ፣ ካብ ስትራተጂካዊ ጸጋታት ኢትዮጵያ – ቀይሕ ባሕሪ እቲ ቀዳማይ ምዃኑ ዝሕብር ደፋር መግለጺ ኣዉጺኡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ምግለጺ ሰልፊ ብልጽግና ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዝጸንሐ ኣህጉራዊን ዞባዊን ተጻብኦታት ፡ ነቲ እታ ሃገር ኣብ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ እትዉንኖ ጸጋ ንምምንዛዕ ዝዓለመ ምዃኑ ዘስምዕ እዩ ኔሩ።
እቲ መግለጺ ብቐንዱ ፣ ሰልፊ ብልጽግና ንተበጻሕነት ቀይሕ-ባሕሪ ከም ዉሁብ ወሲዱ ፡ ብዛዕባ እቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ኢዳ ዘየሎ ጸጋ ከይትጥቀመሉ ብግዳማዉያን ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ዉዲታት ምዝራቡ ፡ እቲ ሰልፊ – ክሳዕ ክንደይ ኣብ ልዑላዊ ግዝኣት እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዝዉንና ጎረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ገዚፍ ድፍረት ወጢኑ ምህላዉ ዘተንብህ ምንባሩ ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ገሊጽና ኔርና ።