ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ዝዓቢ ዘሎ ንቕሓትን ፡ ማእከላይ ጸላኢ ኣለሊኻ ኣብ ንኣሽቱ ፍልልያት ናይ ዘይምትራኽ መንፈስን ፣ ነቲ ኣብ ሃገር ስርዓተ-ሕጊ ኽነግስ ዝህንጠ ሓቀኛ ሃገራዊ ዘይነዓቕ ፍናንን ተስፋን የንብሩ ኣለዉ።

ኣብ ስደት ንነዊሕ ዓመታት ሸሸነኸን ሒዘን፡ ንጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነንሕድሕደን እዉን ሳሕቲ ንዘይተጨበጠ ዓወት ኪወዳደራን ኪተሃላለኻን ዝረኣያ ዝነበራ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተቓለስቲ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ተመክሮአን ዘዋህለሎ ሕመቕን ብልጫን ቃልሰን ኣለልየን፡ ዓጸፋ ኪጽዕታ ይረኣያ ኣለዋ።

ቅዋምነትን ትካላዉነትን ቀቲሉ ሃገር ዘባድም ዘሎ ሓባራዊ ጸላኢ እንዳሃለወ ፣ ቅዋምን ትካላዉነትን ምስ ተተኽለ ኪምሕደሩ ንዝኽሉ ፍልላይት ከም ነባሪ መታረኺ ጌርካ፡ ከይተረደኣካ ቃልሲ ናይ ምጒታት ተርዮታት ኣብዚ ግዜ እዚ ተነቒሕሎም፡ ሓያለ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ይዂና ኣብ ሃገር ፍትሒ ንኽሰምር ዝቃለሳ በርጊሳዉያን ኣካላት ኪቀራረባን ብሓባር ንምስራሕ ኣንነተን ከርሕቃን ይመርጻ ኣለዋ።

እዚ ንቕሓትን መንፈስ ሓባራዉነትን እዚ ንጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ድቃስ ዝኸልእ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንቕሓት እዚ ንምዉዳቕ ዘሎ ኣማራጺታት የዉፍር ከምዘሎ ርኡይ ኮይኑ ፣ ኣብ ደንበ ፍትሒ ዝደላደል ዘሎ ዉህደት ግዳ ኪንዮ እቶም ድሕሪ ሕጂ’ዉን ኪግተሩ ዝኽእሉ ሽርሕታት ህግደፍ ዝጓዕዝ እዩ ዝመስል።

ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኽመጽእ፡ ኣብ ስደት ብዉልቆምን ተወዲቦምን ዝንቀሳቐሱ ሃገራዉያን፡ ግዳይ ናይ’ቶም ብህግደፍ ዝብተኑ ጸወታታት ምዃን ክሳብ ዘየቋረጹ፡ ዕላማኦም ክወቕዑ ከምዘይኮኑ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብቐጻሊ ከዘኻኽር ምጽንሑ ይፍለጥ።