ኣዛዚ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ማለት ሓመቲ ፣ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ በደላት ክፍጽሙ ምጽንሖም ብምእማን፣ ነቲ በደላት ዘጽንዕን ንበደልቲ ዝቐጽዕን ፍሉይ መጋባእያ ኪቐዉም መምርሒ ኣሕሊፉ።
ሓመቲ ነዚ ዝገለጸ ዝሓለፈ ሰኑይ ብምኽንያት ዒድ ኣልኣድሓ ናይ ክልተ መዓልታት በይናዊ ተጻብኦ ደዉ ናይ ምባል ዉሳኔ ከምዝወሰደ ንምሕባር ኣብ ዝሰደዶ መልኽቲ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ብሓይልታቱ ኪወርድ ጸኒሑ ዝተባህለ ግህሰትን ራስያን ዘለዎ ሻቕሎት ዝገለጸ እቲ ኣዛዚ፣ እቶም ኪወርዱ ዝጸንሑ በደላት ንሕግታት ዳዕመል ሰሪዕ ይዂን መምርሒታት ላዕለዋይ መሪሕነት ብድሎ ዝጠሓሱ ምዃኖም ብምትሕስሳብ በደልቲ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሪር መቕጻዕቲ ኪቕበሉ ምዃኖም ተመባጺዑ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ናብ ሓያለ ሸነኻት እታ ሃገር ዝልሕም ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ፣ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ኣልማሚ ስርቅን ዓመጽ ሰለማዊ ህዝቢን ወፊሮም እንድተባህለ ክዉቀሱ ጸኒሖም እዮም።
ፍሉይ መጋባእያ ብሜጀር ጀነራል ዒሳም ፊዳል እንዳተመርሐ ኣብ ምቅላስ እቲ ዝስዕርር ዘሎ ገበን ኪጽዕት ምዃኑ ዝጠቐሰ ጀነራል ሓመቲ፣ እቲ መጋባእያ ድሮ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ስራሑ ጀሚሩ ኣብ ገበን ዉዒሎም ናይ ዝተባህሉ ገለ ኣባላት ጉዳይ ይምርምር ምህላዉ ኣረዲኡ።
ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ካርቱምን ኡምዱርማንን ንህላዌ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ዝቋወም ሰላማዊ ሰልፊ ኪከየድ ብምጅማሩ ፣ እቶም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት በደላት ኪፍጽሙ ይግደዱ ኪህልዉ ከምዝኽሉ ዝበለ ሓመቲ ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ግዳያት ንምግባር ብሰራዊት መንግስቲ ዝቕጽል ዘሎ ሽርሕታት ደዉ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዳርፉር ሓድሽ ኲናት ሕድሕድ ንምዉላዕ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝኸሰሰ ጀነራል ሓመቲ፣ ህዝቢ ዳርፉር በቲ ዝግበር ዘሎ ምትዂታዂ ተረቢሹ ግዳይ ናይ ዘይተደልየ ህልቂት ከይከዉን ርግእ ክብል ጸዊዑ ኣሎ።
ኲናት ሱዳን ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ዳዕመል-ኣልሰሪዕ ነቶም ካብ ምዕራባዊ ዳርፉር ናብ ጫድ ዚሃድሙ ዘለዉ ሰላማዉያን ሰባት ካብ ምጥቃዕ ኪቚጠቡ ቤትጽሕፈት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ። እቲ ቤት ጽሕፈት ነዚ ዝጸወዐ ፣ እቶም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ካብ ምዕራብ ዳርፉር ናብ ጎረቤት ሃገረ ጫድ ዚሃድሙ ተመዛበልቲ ቅትለት ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ እዩ።
ካብ ምዕራብ ዳርፉር ብሓፈሻ ካብ ከባቢ ኣል-ገኔና ድማ ብፍላይ ሃዲሞም ናብ ጫድ ዝኣተዉ ሱዳናዉያን ነቲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፣ ብሓይልታት ዳዕመል ኣልሰሪዕን በቶም ሓይልታት ዝድገፉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ወገናት ቀጻሊ ግፍዕን መቕተልቲን ይፍጸም ምህላዉ የረድኡ።