መራሒ ጉጅለ ህግደፍ በቲ ብውሽጥን ግዳምን ልዕሊ ካልእ እዋን ተግባራዉነት ኣዉሒሱ ዝመስል ኤርትራዊ ቃልሲ ንሓርነት ርግኣት ስኢኑ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎትን ማእከሎትን ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ፡ ከምኡ’ዉን ሓለፍቲ ክፍሊ ጸጥታ ዘካይዶም ናይ ምጽንጻን ስራሓት የዛይዶም ኣሎ።

ዕለታዊ ምንቅስቓሳትን ርክባትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ብደቂቕ ናይ ምክትታል ፡ ዝተሓደሰ ስራሕ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ከምዘሎ ፡ ኩሉዓይነታዊ ምንቅስቓሳት ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝደቐቐ ክትትል ኣትዩ ምህላዉ ይንገር።

ኣባላት ምምሕዳራት ከባቢታት ኾይኖም ኣብ ምጽንጻን-ን ኮለላን ኩሉዓይነታዊ ንጥፈታት ህዝቢ ዝነጥፉ ዘይሓላፍነታዉያን ዜጋታት እዉን፡ ኣብ’ዚ መደብ እዚ ተሰሪዖም ብዕጽፊ ክሰርሑ ተነጊርዎም ብምህላዉ፡ ንድሕነት ሃገር ክብሉ ኩሉ ኣብ ከብዶም ገይሮም ሃገር ዘሳልዩ ዘለዉ ኩሎም ኣባላትን ኣዘዝቲን ስራዊትን ጸጥታን ዳግም ኸይግርሁ ኣካይዳታቶም ከርቅቚ ይግባእ።

ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ህዝባዊ ጽለኣት ልዕሊ ኻልእ እዋን ነጺሩሉ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ህዝባዊ ጽለኣት ናብ ተግባራዊ ስጒምቲ ይቃረብ ብምህላዉ፡ እቲ መራሒ ነቲ ዘይተርፎ ስዕረት ንምድንጓይ ዘሎ ኣማራጺ ኸናድይ ምዃኑ ፍሉጥ ኮይኑ፣ ህዝቢ ብሓፈሻ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ድማ ብፍላይ ልዕሊ ኻልእ እዋን ንድሕነቶም ደዉ ክብሉ ሕጂ እዋኑ እዩ።