ሓቀኛ ምስሎም ተቓሊዑ ካብ ደንበ ፍትሒ ናብ’ቲ ብከዉሊ ኣዋፊርዎም ዝነበረ ህግደፍ ዝግዕዙ ዘለዉ ኤርትራዉያን ተወላወልቲ፣ ታሪኽን ህዝቢን ብኽሕደት ሃገር ኪሓቶም ምዃኑ ምፍላጥ የድልዮም ኣሎ።
እዞም ንኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ራሕሪሖም ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብስም ሓድነትን ሃገራዉነትን እንዳዘመሩ፡ ኪሕደቶም ከመኽንዩ ይረኣዩ ከምዘለዉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ጸገሙ ጉዳይ ሓድነትን ሃገራዉነትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓድነትን ሃገራዉነትን ከም መሳርሒ ምልኪ ተጠቒሙ ንመላእ ሃገር ኣብ ባርነትን ኲናትን ዘዳኽም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እዩ።
ወኪላት ኤሪሳት ንጉዳይ ኤርትራዊ ሓድነት ኣመልኪቶም ካብ ህዝቢ ክእክብዎም ኣብ ዝጸንሑ ርእይቶታት ፣ ንነባሪ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ተርእዮ እንዳምጻእካ እቲ ሓባራዊ ስኒትን ሓድነትን ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ኣምሲልካ ምዉሳእ ተለሚዱ ከምዘሎ ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
እዞም ህዝቢ ሃንቀዉ ኢሉ ንዝጽበዮ ዘሎ ፍትሒ ንምስንኻል ካብትን ናብትን እንዳተናጠሩ ቃልሲ ዘዋድቚ ዘለዉ ከድዓት ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብደንበ ፍትሒ ሓድነቱን ሃገራዉነቱን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ” እንዳበሉ ኽለብስዎ ደልዮም ዘለዉ ምስሊ ፡ ኣብ መጻኢ ካብ መቕጻዕቲ ህዝቢ ዘገላግሎም ኣይኮነን።
ብሓድነቱን ሃገራዉነቱን ንነዊሕ እዋን ተማቲኡን ተሻቒሉን ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ፡ “ደንበ ፍትሒ ነዚ ሓድነትን ሃገራዉነትን ንምብትታን ይሰርሕ ከምዘሎ” ንምምሳል ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ድሕሪ ህድማ ተዋስኦታት ፡ ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣደንጽዮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ምዕናዉ ኣቢዩዎ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምቕባር ዘይፈተኖ ከምዘየለ ፣ ነቲ ዘይንደል ኤርትራዊ ሓደነት ንምብታን ፡ እቲ ሓድነት ኣብ ኩሉ ሳዕ ተጻብኦታት ከምዝገጥሞ ኣምሲልካ ቀጻሊ ሽርሒታት ከምዘዉፍር ኣይርሳዕን።
ስለዝኾነ፡ እቶም ኣቀዲሞም ንደንበ ፍትሒ ብትእዛዝ ህግደፍ ዝተጸንበርዎ ገለ ዉሑዳት ፡ ነቲ ደንበ ንምብታንን ተስፋ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ንምቕታልን ፡ ደንበ ፍትሒ ብሓድነትን ኤርትራዉነትን ይዋገ ከምዘሎ እንዳኸሰሱ ናብ’ቲ ዘውፈሮም ህግደፍ ይምለሱ ኣለዉ ።
ኣብ ሓድነትን ተሪር ሃገራዉነት ዝተማእከለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ በዞም ኣካል እቲ ጉጅለ ኾይኖም ኣብ ደንበ ፍትሒ ክነጥፉ ዝጸንሑ ገለ ዉሑዳት ፡ በቲ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ለኣኺኦምን ኣቐዲሞም ዝሓለፉ መግዛእትታትን እዉን ተሳዒሩ ከምዘይፈልጥ ምርዳእ እኹል መልሲ እዩ።