ናይ ይግባይ መጋባእያ ብሪጣንያ ነቲ መንግስቲ እታ ሃገር መዲብዎ ዘሎ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምርሓቕ ሓሳብ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወሲኑ። ዉሳኔ እቲ ቤት-ፍርዲ ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ንምዕጋት ተረርቲ ፖሊሲታት ዘራብሕ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ዕንቅፋት ዚፈጥር እዩ።
ሰለስተ ላዕለዎት ፈራዶ እቲ መጋባእያ፣ ርዋንዳ ከም ውሑስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ኪትዉሰድ ከምዘይብላ እዮም ወሲኖም።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብሪጣንያ እቲ መደብ ሕጋዊ ምዃኑ ዉሳኔ ኣሕሊፉ’ኳ እንተነበረ፣ ሓያለ ሓተቲ ዑቕባ ብመንገዲ ወኪላቶምን ተሓለቕቲ ትካላትን ይግባይ ምሕታቶም ኣይርሳዕን።

እቲ ናይ ይግባይ መጋባእያ፣ መስርሕ ዑቕባ ርዋንዳ ብዙሕ ጉድለታት ከምዘለዎን፣ ናብታ ሃገር ዝዉሰዱ ሓተቲ ዑቕባ ድማ ሻቡ ናብ’ተን ንዉሕስነቶም ፈሪሆም ዝራሕርሕወን ሃገራቶም ብግዲ ክምለሱ ኽግበር ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ ከምዝኣምንን እዩ ገሊጹ ዘሎ

ብመትረብ እንግሊዝ ዘየቋረጸ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ድጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ፣ ብመትረብ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ስደተኛታት ፣ ካብታ ሃገር ሻቡ ኪጥረዙ ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪ ሕጂ እዉን ከይኣትዉ ንምኽልካሎም ሕጊ ምንዳፉ ይፍለጥ። ብመሰረት ኽትግበር ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ በቲ ማያዊ መስመር ብዘይጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣቱ ስደተኛ ኣብ’ታ ሃገር ከይጸንሕን ዳግም ናብታ ሃገር ከይኣቱን ክእገድ እዩ።

እንተኾነ ፣ እቶም ተረርቲ ዉሳኔታት በቲ ማያዊ መስመር ንዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኪገትኡ ኣይረኣዩን ዘለዉ። ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ እኳ ዛጊት ልዕሊ 11 ሽሕ ሓደስቲ ስደተኛታት በቲ ማያዊ መስመር ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።