ኣብ ዝመጽእ ዓመት፣ ጠለብ ዳግመሰፈራ ስደተኛታት ማለት resettlement ብ20 ሚእታዊት ኪዛይድ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ። እቲ ትካል ብ26 ሰነ ኣብ ዚዘርግሖ እመታ ዓለማዊ ጠለብ ዳግመሰፈራ 2024 ፣ ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ስደተኛታት ናብ ውሑሳት ሃገራት ናይ ምግዓዝ ጠለብ ከቕርቡ ምዃኖም የረድእ።

ናይ ዳግመሰፈራ ጠለባት ዘለዎም ስደተኛታት ብዝሖም ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ዘተሓሳሰበ ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ፣ መስርሕ ዳግመ ሰፈረ ነቶም ንህይወት ኣብ ዝፈታተን ኩነታት ዝዋጠሩ ወገናት እቲ እንኮ ናይ መድሕን ኣማራጺ ኮይኑ ምህላዉ ጠቒሱ፣ ሃገራት ነዚ ተረዲአን ንስደተኛታት ዝቕርብኦ ኮታን ንጠለባት ዳግመሰፈራ ዘለወን ቅሩብነትን ከዛይዳ ተላብዩ።

ኣብ 2022 ካብ ዝቐረቡ 116 ሽሕ ጠለባት ዳግመሰፈራ ኣስታት 58 ሽሕ ጥራይ ከምዝተሳለጠ ዝሓበረ UNHCR፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ጸጥታዊ ዉሕስነት ዘለወን ኣህጉራት ድማ ብፍላይ ቅሩብነተን ከዕብያ ካብ ምጽዋዕ ከምዘየዕረፈ ይዛረብ።

ብሰንኪ ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን ሰባት ቊጽሪ ናብ ልዕሊ 110 ሚልዮን ምዕራጉ ላዕለዋይ ትጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጺቡ እዩ። “ምሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓደ ሰሚሩ ጠንቂ ምምዝባልን ስደትን ንዝኾኑ ዘለዉ ግርጭታትን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምርካብ እንተዘይተቐላጢፉ፡ እቲ ሰብኣዊ ሓደጋ ክብእስ ምዃኑ እዩ ፊሊፖ ግራንዲ ዘተሓሳስብ።

ዛጊት ዝተመዝገበ ጠቕላላ ቊጽሪ ተመዛበልቲ ዓለምና ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ 10 ዓመት ተመዝጊቡ ዝነበረ ኣሃዝ ከምዝኾነ እዩ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘረድእ። ኣስታት ፍርቂ ካብ’ቲ ቁጽሪ በቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናት ዝዉከል ኮይኑ፣ ዝተረፈ ልዕሊ ፍርቂ ድማ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኪንይኡን ብምርሓቕ ዝተዓቚቡ እዮም።
ክሊማዊ ምዝንባዕ ዘንቀሎ ሓደጋታት እዉን ካብ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ቅልውላዉ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።