መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ሃገሩ ንመደብ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ኣምልኪቱ ዝሃቦ ዉሳኔ ፣ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ይግባይ ኪሓተሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ በቲ ናይ ይግባይ መጋባእያ ዝተዋህበ ዉሳኔ የኽብሮ እኳ እንተኾነ ፣ ኣብ ባይታ ንዘለዉ ሓቅታት ዘይዉክል ዉሳኔ ብምዃኑ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዳግማይ ክርአ ፍቓድ ኣብ ምንዳይ ክጽዕት ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ናይ ይግባይ መጋባእያ ብሪጣንያ ነቲ መንግስቲ እታ ሃገር መዲብዎ ዘሎ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምርሓቕ ሓሳብ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እዩ ወሲኑ። ዉሳኔ እቲ ቤት-ፍርዲ ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ንምዕጋት ተረርቲ ፖሊሲታት ዘራብሕ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ገዚፍ ዕንቅፋት ዚፈጥር እዩ።
ሰለስተ ላዕለዎት ፈራዶ እቲ መጋባእያ፣ ርዋንዳ ከም ውሑስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ኪትዉሰድ ከምዘይብላ ምዉሳኖም ዝተሓበረ ኮይኑ ፣ ርዋንዳ ግን ውሕስቲ ሃገር ምዃና ከምዝኣምን’ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ዝምጉት።
እቲ ናይ ይግባይ መጋባእያ፣ መስርሕ ዑቕባ ርዋንዳ ብዙሕ ጉድለታት ከምዘለዎን፣ ናብታ ሃገር ዝዉሰዱ ሓተቲ ዑቕባ ድማ ሻቡ ናብ’ተን ንዉሕስነቶም ፈሪሆም ዝራሕርሕወን ሃገራቶም ብግዲ ክምለሱ ኽግበር ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ ከምዝኣምንን እዩ ገሊጹ።
ብመትረብ እንግሊዝ ዘየቋረጸ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብ ብሪጣንያ፣ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ድጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እንተኾነ ፣ ተረርቲ ስጒምትታት መንግስቲ ብሪጣንያ በቲ ማያዊ መስመር ንዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኪገትኡ ኣይረኣዩን ዘለዉ። ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ እኳ ዛጊት ልዕሊ 11 ሽሕ ሓደስቲ ስደተኛታት በቲ ማያዊ መስመር ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።