ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ናብ ኢትዮጵያ ዘብልዎ ሰባኣዊ ሓገዝ ደዉ ምባሉ ፣ ተወሳኺ ሃስያኡ ድሮ ይምዝገብ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ትካላት ሓገዛት ደዉ ካብ ዘብሉ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ሰለስተ ክልላት ኢትዮጵያ ብውሑዱ ልዕሊ 700 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። እቲ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ኣዝዩ ከቢዱ ምህላዉ እዉን ይንገር።
ምቚራጽ እቲ ረድኤት ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዞባዊ ደርቂን ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሕድሕድን ሰሪቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ክብእስ ገይሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ስርቂ ግቡእ ምጽራይ ተኻዪድሉ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ሃገራዊ ምጽራይ ከካይድ ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ እዉን ነቲ ጉዳይ እተጻሪ ኮሚቴ ኣጣዪሱ ከምዘሎ ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብታ ክልል ንዘሎ ስርቂ ረድኤት ንምጽራይ ዘጣየሳ ጉጅለ እዉን ብ15 ሰነ መባእታዊ ጸብጻብ ስራሓ ኣቕሪባ እያ። እታ ጉጅለ ኣብ ጸብጻባ፡ በቲ ስርቂ ዝሕተቱ ኩሎም ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኪሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ምዃኖም ጠቒሳ፣ በቲ ገበን ተሓተቲ ምዃኖም ዛጊት ተለልዮም ካብ ዘለዉ 186 ሰባት ድሮ ሸዉዓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ፍርዳዊ መስርሕ ይሓልፉ ምህላዎም ሓቢራ ኔራ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብ19 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ትካሉ ንምሕደራ ምቕርሐ ረድኤትን፡ ምልላይ ተጸበይቱን ብዝምልከት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዝልዕል ስልጣን ክህልዎ እንተተፈቒድሉ ፣ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ናብ ንጡፍ ስራሑ ክምለስ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣረዲኡ እዩ። ኣቐዲሙ ንምሕደራ ምቕርሐ ረድኤትን ረድኤት ቀዳምነት ንመን ይግብኦን ዝብሉ ቅጺ ሓላፍነታት ብሰብስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕብለሉ ምጽንሖም ይንገር።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤትት ንመን ከምዝብጽሖ ኣብ ምዉሳን ዝጸንሖም ልዑል ስልጣን ኪጎድልን ፣ እቲ ትካልን መሻርኽቱን ኣብቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ጽልዋ ሃልዩዎም ተጸበይቲ ረድኤት ኣብ ምልላይ ዝለዓለ እጃም ኪህልዎ እዩ ሓቲቱ ዘሎ።
ረድኤት ይስረቕን ናብ ዘይመዓላኡ ይዉዕልን ኣሎ ብዝብል ናብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታቱ ደዉ ዘበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፣ ኣብ’ዚ ወርሒ እዚ ናብ መላእ ኢትዮጵያ ዘብጽሖ ረድኢት ደዉ ከብል ምዉሳኑ ኣይርሳዕን ። ኣብ’ታ ሃገር ንዝበዝሐ ሰብኣዊ ረድኢት ከምዝቕርብ ዝነገረሉ USAID እዉን ኣብ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ወፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሕድሕድን ሰሪቱ ዘሎ ሕሱም ደርቂን ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ምህላዉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ን 6 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ከባጽሕ ምጽንሑ እዩ ዝሕብር።
እዚ ጠለብ እዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እወታዊ ግብረመልሲ እንተረኺቡ፣ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልል ትግራይን መዓስከራት ስደተኛታት ረድኤት ምስዳድ ክጅምር ከምዝኽእል ዝሕብር ዘሎ እቲ ትካል፣ ብዛዕባ እቲ ሰሪቱ ዝበሃል ዘሎ ስርቂን ምጥፍፋእን ረድኤት ዝሕተት ወገን መን ምዃኑ ንምንጻር ንዝኸይድ ዘሎ ምርመራ ይጽበዩ ምህላዎም እዉን ይጠቅስ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብUSAID ጸኒሑ ድማ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተወስደ ረድኤት ናይ ምቊራጽ ስጒምቲ ካልእ መዘዝ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ዉሳኔ ፈልዩ ከምዘይርዮ ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ።